Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Melottiቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ  ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።

ኣፈኛ ናይቲ ጠንቂ ዕንወት ጸጋን ሰብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ፡ነታ ደሓን ኩን ዝበለቶ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ  እንኳዕ ደሓን ተመለስኪክንብላ ኢና፡ ክብል ኣላጊጹ።

እቶም ብ13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ማእሰርቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣፍሊጦም።

kekia

ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ካብ 1967 ኣትሒዙ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተጋደለ፡ ድሕሪ ናጽነት ከም ኣዛዚ ክፍለሰራዊት፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ድማ ከም ኣዛዚ ስታፍ "ስርሒት ሓደ" ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ብሪጋደር ጀነራል ዓብዱ መሓመድ ዑመር (ረመጭ) ትማሊ 29 ግንቦት ብሕማም ከምዝዓረፈ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ኣፍሊጡ።  ኣሰና - ንቤተሰቡ ጽንዓት ይሃብኩም

READ MORE

 khalid….ሎሚ’ውን ሓድሕድ ተኻባቢርና: ሓሳባትና ተሰማሚዕና ንነዊሕ ዝጠመተ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳ ክሳብ ዘየማዕበልና መጻኢና ቀሊል ከምዘይከውንን እዚ ወልቀመላኽነት ከኣ ከምቶም ኣብ ኩሉ ክፋል ዓለምና ዝተራእዩ ምልክታት ኣብ ሓጺር ጌዜ እንተሓድሓድ ተበላሊዑ እንተ ብሰንኪ ዓንዳሪ ኣካይዱኡ ነዊሕ ከምዘይጸንሕን ክፈራኸስ ምኻኑን ገፋዕቲ ድማ ጽባሕ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምኻኖም ደጋጊምና ክንዝክርን ከነዛኻኽሮምን ይግባእ::