Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

tegadalayሓው ዮሴፍ ሒደት ይኸውን ‘ምበር ኣንቢበ ኢየ ውሑድ መዓልታት ይኸውን ‘ምበር ኣዝዮም ዘድንቖም በላሕትን ፈላጣትን ሰባት ብተመስጦ ክዛረቡን ክምድሩን ከስተምህሩን ሰሚዐ ኢየ በቲ ይኹን በቲ ግን ኩሉ እቲ ጣቛ እቲ ቛንቛ መሰረቱ ህዝቢ ኢዩ ሕምረት ናይ’ቲ ምግዳል

Gedliብመጀመርያ ነቶም ብዘይ ምስልካይ ንድርሰት ምቅንጃው ገድሊ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ነቢቦም ብብቕዓትን ክእለትን ዝመለሱ ብፍላይ ከኣ ሓው ሳልሕ ዮኑስ በቲ ሓው ኣቶ ዮሴፍ ገብሪህይወት ንነብሱ ከም ውጺኢት ምዕራባዊ ዓለም ወሲዱ ህላዌ መንነቱ ብምኽሓድ ልዕሊ እቶም ዋናታት ቛንቛ እንግሊዝ ዋና ብምዃን ኣብ መርበባት ሓቤረታ ኤርትራውያን ዱድ ዝብለሉ ዝነበረ ቛንቛ እንግሊዝ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ

YGዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።

ዮሴፍ ገብሪሂወት ዚተባህለ ምሁር ኤርትራዊ ብዕለት ለይቲ 3 ሚያዝያ 2010 አብ ፓልቶክ „ኤርትራዊ ኣደራሽ ንሓያልነትን ሓድነትን ተቓወምቲ“ ዚተባህለ ቀሪቡ፣ መብርሂ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋቱን፣ ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መጻብቦ ኤርትራ ኢሉ ዘማዕድዎ ፍታሕን ከብርህ ሐዲሩ። የግዳስ ሓው ዮሴፍ ከምቲ አብ ጽሑፋቱ ዘልመደና – ንኣብነት ከምቲ አብ ምቅንጃው ገድሊ ዚአመሰሉ ጽሑፋት- ብዙሕ ኣኻብሕ ታሪኽናን ጕዕዞ ገድልናን‘ኳ እንተአናጠጠ አብ መወዳእታስ ንኤርትራ ዚኸውን (ኤርትራዊ) ፍታሕ አየቕረበን።

ናብ ኸበርካ ሓውና ምናሴ ዮሴፍ:
ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ አብ ክልተ ተከፋፊሉሉ አብ ዘሎ እዋን ጸግኢ ናይ ደግፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ወሲድካ አብቲ ብደግፍቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ዝፍኖ ናይ ረድዮ መደብ ምስ ሓደ ብጻይካ ” ብስጋ ሓውኻ ” ቀሪብካ ሓቂ ክትደፍንን ነቲ ነውራምን ሕማቕን ተግባራ ናይ ደገፍቲ ኢሰያስ  ክትሸፋፍንን ብጋዜጣታት ሽወደን ንዘይተባህለን ንዘይተጻሕፈን ከምዝተባህለን ከምዝተጻሕፈን አምሲልካ መልስን ትንታኔን  ክትህብ ምፍታንካ ንብዙሓት ኤሪትራውያን ዘሕዘነን ዘቆጠዔን ስለዝኾነ ነቲ ዝበልካዮ ሓደ ብሓደ  ብፍላይ ነቶም ክትዛረብ ከለኻ ዘይሰሙዑካን ክሰምዑኻ ዕድል ንዘይረኸቡን ከነብርሃሎም ክንፍትን ኢና::

ነቲ ምቅንጃው ገድሊ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንገድልን ታሪኹን ኣካፊኡ ንኤርትራዊ መንነትን ናጽነትን ክድምስስ ዝፈተነ ጸሓፋይ ንምቅንጃው ዘቕረቡዎ ጽሑፍ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ ረኺበዮ። ብኤለትሮኒካዊ ጋዜጣ ዝተዘርግሐ ኤለትሮኒካዊ ሓሶት ‘ዩ እንተበልኩዎ ‘ውን ኣየጋነንኩን።