Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

festivalኣቶ ካሕሳይ በርሀ ድሕሪ’ቲ ዝተዋህቦ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛ መንበሪ ወረቐት ምሓዙ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ብሕታዊ መሰለይ ብምግሃስ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ከንብረኒ ስለ ዘይከኣለ ኢሉ ንዘቕረቦ ናይ ማሓላ ቓል ብምኽሓድ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምትሕብባር

festivalኣቶ ካሕሳይ በርሀ ድሕሪ’ቲ ዝተዋህቦ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛ መንበሪ ወረቐት ምሓዙ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ብሕታዊ መሰለይ ብምግሃስ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ከንብረኒ ስለ ዘይከኣለ ኢሉ ንዘቕረቦ ናይ ማሓላ ቓል ብምኽሓድ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምትሕብባር

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

Embassy ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቆንስል ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ሳልሕ ኢማን ማሕሙድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ እሙናት ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

Eritrean Air Forceቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ንግዚኡ ክንጠቕሶ ኣብ ዘይደለና ሃገር ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣባላት ሓይሊኣየር ኤርትራ 19 በጺሑ ከምዘሎ፡ ገለ ካብኣቶም ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓጺር ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጾም።

er air force15 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብምምላጥ፡ ምእንቲ ድሕነቶም ንግዚኡ ክንጠቕሳ ኣብ ዘይደለና ሃገር ኣትዮም፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

Stand by the people no to dictator -asenaእቲ ጽዩን ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳዱ ኣብ መሸንቆቛ እገዳ ተቐሪባትሉ ኣብ ዘላትሉ ሰዓት፡ ኣብ ወጻኢ ፈቐዳ ጎደናን ገዛን ቶርሞስ ዝብሉ  ሃሱሳት ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብደምን ረሃጽን ድምጽን ዘረጋገጾ ናጽነት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ዓዲ ጓና ዘሳጎጎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ተመሊሱ፡  “ነዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሌና በይኑዎ ዘሎ እገዳ ክትኵንን ናብ ጀኔቫ፡ ኒውዮርክ “ኣዋፍረኒ፡ ኣባዝሓኒ”  “ርድኣኒ፡ ርድኡኒ” ኢሉ  ‘ከማዓልካ’ ኢሉዎ ንዘይፈልጥ ሰብ ክልምን፡ “ይርዳእካ” ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ዘይተሰለፈ፡ ካብ ውራይ ረፈረንደም ከምዝተረፈ” ኢሉ ብዅርምትኻ ዘስሕቕ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃተፍተፍ የስምዕ ኣሎ።

MCH

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኩወየት ዝነበረ ማሕሙድ ዑመር ጭሩም ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ካናዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ከምዘሎ ብቐጥታ ዘዘራረቡዎ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ካናዳ ኣረጋጊጾም።

ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ስጉምትታን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኤምባሲታት ከፊተን ክዓያ ዝጸንሓ ሃገራት ኤምባሲታተን ክዓጽዋ፡ ገሊአን ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክሓጽሮኦ፡ ገለ ድማ ብተንቀሳቓስቲ ኣምባሳደር ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈተን ከስርሓ መደብ ሒዘን ከም ዘለዋ ንዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ናይቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

መሰል ሕቶ ዑቕባ ብኣህጉራውን ዘቤታውን ሕግታት ‘ዩ ዝመሓደር። በዞም ሕግታት እዚኣቶም ዝተሰማምዑ መንግስታት ከኣ፡ መምዘኒታት ዑቕባ ንዘማልኡ ሰባት ድሕነቶም ክሕልዉሎም ግዴታ ኣለዎም። መሰል ሕቶ ዑቕባ ኣካል ዘቤታዊ ሕጊ ዓባይ-ብሪጣንያ እዩ።

መሰል ሕቶ ዑቕባ ብኣህጉራውን ዘቤታውን ሕግታት ‘ዩ ዝመሓደር። በዞም ሕግታት እዚኣቶም ዝተሰማምዑ መንግስታት ከኣ፡ መምዘኒታት ዑቕባ ንዘማልኡ ሰባት ድሕነቶም ክሕልዉሎም ግዴታ ኣለዎም። መሰል ሕቶ ዑቕባ ኣካል ዘቤታዊ ሕጊ ዓባይ-ብሪጣንያ እዩ።

መንእሰይ ኻልድ ዓብዱ : ኣብ ሽወደን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከም ኣማኻሪ ስደተኛታት ኮይኑ ዝሰርሕን: ንኣስታት 2 ዓመታት ከም ኣባል ናይ ብደረጃ ሃገር ስዊድን ዝቖመ NTG ASYL ዝተባህለ : ብናይ ሽወደን ሚኒስተር ኢሚግረሽን ዝነበረት ኣኒታ ግራዲን ናይ ዝምራሕ reference group ኣባል ብምኻን ዘገልገለን: ከምኡውን መስራቲ ኣብ ሽወደን ብ 2003 ናይ ዝቖመ ማሕበር ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ :ጋሻ ናይ ,,Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ ዓዲምናዮ አሎና።

ERቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ መበል ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2008 ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ብ 40 ሚኣታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ ኸኣ ኤርትራውያን ምዃኖም ስዊዝ ኢንፎ ዝተባህለ ናይታ ሃገር መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓባይ ብሪጣንያ ክዓዪ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ሜጀር ሃብቶም ኪዳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2008 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ሰለስተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣል-ሳሓፋ ዝተባህለት ብዓረብ እትሕተም ናይ ሱዳን ነጻ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ 28/12/07 ሕታማ ገሊጻ።

ሓላፊ ጨንፈር ህግደፍ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ዝነበረ ኣቶ ነጂብ ኣሕመድ ዝሓለፍ ሰሙን ናብ ሱዳን ብምምላጥ ፖለቲካዊ ዑቕብ ከምዝሓተተ ዖማል ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።

kunamaግዳያት ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን (1998-2000) ዝኾኑ፡ 700 ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ፡ መሰል ዑቕባ ተዋሂቡዎም  ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ክጣየሱ ናብ ኣመሪካ ይኸዱ ከምዘለዉ ላዕዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።