Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

oaslo demoካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

Womenሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን  ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።

Maereba እቲ ዒብ ዘይብሉ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ መብዛሕትኦም ድርብ ደቆም ንዝተሰውኡዎም 57 ገባሮ ማዕረባ ኣምሳያ ‘ቶም ካብ ስርዓቱ ዘመለጡ ደቆምን ደቂ ደቆምን 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

Conferenceዝኸበርክን ደለይቲ ለዉጢ፤ ፍትሕን ደሞክራስን ደቂ-ኣንስቲዮ ኤርትራ ተቀማጦ መልበርንን ከባቢኣን፣

ብቀዳምነት እቲ ምውቕ ዘዀነ ኤርትራዊ ሰላምታይ ተቐበሉ። ስመይ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕደ) ይበሃል። ምቕማጠይ ኣብ ሕቡራታት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ትውልደይን ወይ መበቆለይ ኣብ ቅንሓየላ እትበሃል ዓዲ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ተኸላ ኣብ ኤርትራ ይኸውን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
Elsaሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ  ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።

Swedenብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣  ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡  ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም  ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።

ዕለት 25 ሕዳር ዓለምለኸ ጸረ ግህስትመዓልቲ ደቂኣንስትዮ ተባሂሉ ካብዝጽዋን ካብዝኽበርን ልዕሊ 20 ዓመት ዝኣክል ኣቑጺሩ እነሆ። እዚ መዓልቲዚ ንመዘከርታ ናይተን ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝተቓለሳ ሚራባል ዝተባህላ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ዕለት 25 ሕዳር 1960 . ኣብ ዴሞኒካኒሸ ረፖፕሊክ ብግፍዒ እቲ ዝነበረ ዓማጺ ስርዓት ጸጥታዊ ትካል ተኣሲረን ንወርሒ ዝኣክል መግቢ ንኸይውሃበንን ከቢድ ምግፍዕን መግረፍትን ወሪድወን ንዝሞታ ተቓለስቲ ዝዝከር መዓልቲ እዩ። 

እዛ ዓለምና ጓል ኣንስተይቲ ዘይብላ ክትህሉ ዘይኮነ ክትሕለም እውን ኣይትካኣልን ኢያ። ንሳ ምንጪ ህላውየናን፣ ሄወትናን፣ ባህልናን፣ እምነትናን፣ ታሕጓስናን፣ ሓዘናን፣ ፍቕርናን፣ ተስፋናን፣ ኢያ። ብሃገር ደረጃ ድማ ምንጪ፣ ሃገራውነትናን፣ ሓርበኝነትናን፣ ሓድነትናን፣ ዕርቕን፣ ፍትሕን፣ ኢያ። ንሳ ብርሃን ስድራን ሃገርን ኢያ።