Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከመይ ትቕንዮ ኩቡራት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣሕዋት። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዕለት 12 መስከረም 2010 ዓ.ም ጽሑፈይ ‘መሪሕነት ኤ-ዲ-ኪ ሓደራ! ከይትህመሉ ብምስምስ ዕርቂ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብ ‘ኤርትራውያን ዜጋታት ንሰላም’  (Eritreans Citizens for Peace) 

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ መብዛሕተአን ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታታት፣ ሓደ  ዘገርምን ግን ክኣ፣ ዝንኣድ ጽሑፋት ከንብብ ድሕሪ ምቕናየይ ብዛዕብኡ ዘለኒ ትዕዝብቲ ኣመልኪተ ወስ ከብል እስከ ፍቐዱለይ።

ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 13.02.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣባላት ማሕበር „መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ EYC“፡ ካብ San Jose, CL (USA)፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ „ሌላ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (EYC)“፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ ሰዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ዘብቃዓሉ እዋን ከባቢ ሳዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ጋሻና ግዜ ሃሊይዎ፡ ፍቃደኛ እንተ ኾይኑ፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና።

አብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ድሕሪ’ቲ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕ/ሃ፡አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሐድሽ ዓመት፡ ኢሳያስ አፈወርቂ ዝሃቦ ቃለመጠይቅን መደረን: አሰልካይን ራኢን ሐቅነትን ዝጎደሎ፡ ከምኡ’ውን ንእዋናዊ ሕሱም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘየንጽባርቅ ኮይኑ ረኪበዮ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንተወፋይነትን ጅግንነትን ስውኣት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን እናኣልዓልካ ኣብቲ እትደልዮ ዕላማ መብጽሕን መደልደሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ምግባርን ልሙድ ኮይኑ’ሎ።

NDAኣምባሳደር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ኣቶ በሺር እሽሓቕን ኣብ ሽወደን ክገብርዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ርክባቶም ኣብ ምድምዳሙ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ክሳብ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዝመጽሉ ዕለት 7/10/2008 ክሳብ ዕለት 12/10/2008 ዝነበረ ውጽኢት ስርሓቶም ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደንን መንግስትን፡ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ከምኡ’ውን ፍሉይ ርክብ ምስ ወከልትን ኣባላትን ኤርትራውያን ሲቪካዊ ማሕበራት ዝገበርዎ ርክብን መግለጽን ብዛዕባ ኤርትራዊ ደክራስያዊ ኪዳን ዝሕብር ሕጽር ዝበለ ጸብጻባት ተቓሊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።

ኣምባሳደር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያምን፡ ኣቶ በሺር እሽሓቕን ኣብ ሽወደን ዝገብርዎ ዘለዉ ርክባት ምስ ኤርትራውያንን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ኣባላት ባይቶ ሽወደንን ይቕጽል ኣሎ።

barhኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባርህ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምስቓይ ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣፍሊጣ።

 

መሪሕነት ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብዕለት 2 ወርሒ መስከረም 2007 ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ውድብን ሃገርናን ንምዝታይ ተጋቢኡ ውዒሉ።