ሓራም ኮይና ሰላም ህግደፍ ከይተጸጸ
ሓራም ኮይና ሰላም ህግደፍ ከይተጸጸ
ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።
ዓሚ ከምዚ ሎሚ ሕር ሕራይ ጌርና ጸፊዕናዮ ሸውዓተ ሸይጣን ስጋብ ዝረኣዮ። ንመን? ንመን ደኣ ነቲ ብጎረባብቲ ሃገራት፡ ብው.ሓ.ኣ.፡ ብው.ሕ.ሃ. ብምዕራባውያን ሃገራት፡ ብሃገራት ዓረብ ኮታ ነቲ ዓለም ብዓለማ ትጸልኦ ስርዓት ህግደፍ እምበር ንመን ደኣ።
ጭብጢ ሰነድ ሰላዪ ህግደፍ: ወይጦ ምኪኤል ተስፋጽዮን (ኣፍዑት)
ጭብጢ ሰነድ ሰላዪ ህግደፍ: ወይጦ ምኪኤል ተስፋጽዮን (ኣፍዑት)
ኣብ ለንደን ንርከብ ኣባላት ተቃወምቲ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብሓባር ፣ ን ዕለት 8 January 2011 ተመዲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ህግደፍ ፣ኣውያት ህዝብና ከነቃልሕ ተቃውሞና ከነስምዕ
ያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
ያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ 3 (ሰለስተ) ተኽታታሊ መደባት ‘ጸሊም መዝገብ ወጦታት ህግደፍ’፡ ኣብ ኦክላንድ ዝምቕማጡ ዕሉል ሃሱስ ህግደፍ፡ ምኪኤል ተስፋጽዮን (ኣፍዑት)፡
ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሕታዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ብምቕታል ንግዳዊ ንጥፈታት ንምብሓት ካብ ዘለዎ ፖሊሲ ተበጊሱ ንኹለን ኣውቶቡሳት ደው ከምዘበለን ምንጭታት ሓቢሮም።
ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሕታዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ብምቕታል ንግዳዊ ንጥፈታት ንምብሓት ካብ ዘለዎ ፖሊሲ ተበጊሱ ንኹለን ኣውቶቡሳት ደው ከምዘበለን ምንጭታት ሓቢሮም።
ጸሊም መዝገብ ወይጦታት ስርዓት ህግደፍ ይገንጸል ! 3ይ ጸብጻብ
ጸሊም-መዝገብ ሃሱሳትን ወይጦታትን ህግደፍ ይገንጸል ! – 2ይ ጸብጻብ
ጸሊም-መዝገብ ሃሱሳትን ወይጦታትን ህግደፍ ይገንጸል ! – 2ይ ጸብጻብ
ምእንቲ ብደም ሰማዕታትና ዝረወየት ሃገርናን ፣ ምእንቲ ብኹቱር ጭቆናን ጥልመትን ምልክን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብናን ፣ ምእንቲ ካብ ሃገሩ ክሃድም ኣብ ፈቐዶ ዶባትን ባሕርታትን ዕርድታትን ሞት ዝቐዝፎም ዘሎ መንእሰያትናን ፣
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሞትን ጥይትን ህግደፍ ተሳጊሮም ምድረ በዳ ሳሃራ ሰጊሮም፡ ዝፈትውዎምን ዘፍቅርዎምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ በረኻ ሲና ንኣሞራ ብሰንኪ ህግደፍ ወፍዮም ኣብ እስራኤል ዕቑባ ዝሓተቱ መንእሰያት ማእለያ የብሎምን።
ጸሊም-መዝገብ ሃሱሳትን ወይጦታትን ህግደፍ ይገንጸል !
ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር፡ ስፊሕ ስለያዊ መርበብ ዘርጊሑ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣገዳሲ ሞያ ዝነበሮም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ፡ ሓሙሽተ ሓለፍትን ምሁራትን ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣሲሩ ደሃዮም ኣጥፊኡዎ ከምዘሎ ድንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ምትእትታው ህግደፍ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቶሮንቶ ሳላ ልቦናን ትኩርነትን ግዱሳት ኤርትራውያን ፈሺሉ።
1) በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ ናብ ኣይቮሪ ኮስት ምስጢራዊ መገሻ ገይራ ከም ዝቐነየት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ምስ በዓል ቤታ ይኹን ንውልቃ ቅድሚ ሎሚ ንወጻኢ ክትገይሽ ዘይተራእየት ወ/ሮ ሳባ፣ ናብ ኣይቨሪኮስት ዑደት ምግባራ ዘገርም ተርእዮ ምንባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ስርዓት ህግደፍ ብ ቀዳም ዕለት 30 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ንዝቅመጡ ኤርትራዊያን ፍሹል ኣኼባ ኣካይዱ።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ኣስመራ ክሳብ ተሰነይ፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ባጽዕ ናብ ዓሰብ ተዘርጊሑ ዝነበረ ምእንታውን ምውጻእን ሰባት ብምቍጽጻር ዓቕሊ ሰብ ከጻብበሉ ዝጸንሐ ናይ ሓለዋን ተፍትሽን ንቕጣታት (ኬላታት) ኣብዚ ቕንያት’ዚ ከምዝገደፎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝርከቡዎም፡ ኣብ መንግስቱ ከገልግሉ ዝጸንሑ 30 ተጋደልቲ ነበር ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ዓብላሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ዝጀመሮ ዕማም ምዕጻው ብሕታዊ ኣብያተ ሕክምና ከም ዝፈጸሞ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩለን እተን ብገንዘብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ጥዕና ደው ኢለን ኣለዋ።
ስርዓት ህግደፍ ዓቕሉ ስለዝጸበቦ፡ ነብሱ ንምድሓን ኣብ ሸበድበድ ኣትዩ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርክባትን ዘተን ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ይንገር።
ስርዓት ህግደፍ ዓቕሉ ስለዝጸበቦ፡ ነብሱ ንምድሓን ኣብ ሸበድበድ ኣትዩ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርክባትን ዘተን ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ዜና ኣሰና ተጠቒሱ ከምዝነበረ፡ 6 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩ ዜጋታት ካብ ከባቢ ጢዖ (ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብፈጣን ጃልባ ናብ የመን ድሕሪ ምስጋሮም፡ እቲ ስርዓት ኣምሳያ ቁጥዐኡ፡ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ርእሲ ዝርከብ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ጢዖ ናይ ሕንሕነ ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዜና ኣሰና ተጠቒሱ ከምዝነበረ፡ 6 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩ ዜጋታት ካብ ከባቢ ጢዖ (ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብፈጣን ጃልባ ናብ የመን ድሕሪ ምስጋሮም፡ እቲ ስርዓት ኣምሳያ ቁጥዐኡ፡ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ርእሲ ዝርከብ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ጢዖ ናይ ሕንሕነ ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ሩባ ሃይኮታ፡ 16 ሓራምዝ ብጥይት ቀቲሎም፡ ነቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ዝተኸልከለ ልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝርከቦ ክቡር ስኒ ሓርማዝ (ኣይቮሪ) ምሕዮም ከምዝወሰዱዎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣቶ ዓንዱ ብርሃነ ዝተባህለ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብ18 ሰነ ብሕማም ዓሪፉ ሬስኡ ብ23 ሰነ ናብ ዓዲ ምስ ተላእከ፡ ኣብ ዓደቡኡ ኣምሁር ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ፍትሓት ከይግበረሉ ድሕሪ ምኽልካሉ ንቡር ፍትሓት ከይረኸበ ከምዝተቐብረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅነሓየላ፡ ዞባ ደቡብ፡ ካብ 55 ክሳብ 70 ኣብ ዝገማገም ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 8 ሽማግለ-ዓዲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ቴድሮስ መንግስቱ ዝተባህለ ሓደ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ህዩስተን፡ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብደገፍቲ ህግደፍ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ጽጹይ መጽናዕቲ ክካየደሉ CPJ ዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣጥቢቑ ጸዊዑ።
እቲ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ኢድ ብምእታው ግብረሽበራ ኣተባቢዕካ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ብባይቶ ጸታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝተበየነሉ፡ ቅኑዕነቱ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከእምን ዘይከኣለ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እገዳ ብኻልእ ሜላ ንምንእኣስ ኣብ ድሮ ጽምብል ነጻነት ሓድሽ ፕሮፖጋንዳዊ ጸወታ ጀሚሩ ‘ሎ።
ትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።
ክፍሊ ኢሚግሬሽን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ክቕየር መምርሒ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ነቲ መስርሕ ምቕያር ብኮምፒተራዝድ ዝኾነ ኣገባብ (Digitalized process by Oracle Database) ክፍጽሙዎ ኣብ መንጎ ዝተወዓዓሉ ጀርመናውያን ክኢላታትን ስርዓት ህግደፍን ዘይምርድዳእ ከምዝተኸስተ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሰርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ጭቆና ብምቕጻል፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ገንዘብ ንምርሳይ፡ ንዜጋታት ኣብ ምግዳድን ምፍርራሕን ይርከብ ኣሎ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ሎሚ 16 ሚያዝያ ዜናኣ ኣቃሊሓ።
ኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ናይ መጥባሕቲ ኣግልትሎት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ (ቨርጂንያ) ዝመደበሩ Physicians For Peace ዝኾኑ ዓበይቲ ሓካይም: ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ብስርዓት ህግደፍ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም ።
ክፍሊ ኢምግረሽን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክቕየር መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።