Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isayas Beshir

Saba 1) በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ ናብ ኣይቮሪ ኮስት ምስጢራዊ መገሻ ገይራ ከም ዝቐነየት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ምስ በዓል ቤታ ይኹን ንውልቃ ቅድሚ ሎሚ ንወጻኢ ክትገይሽ ዘይተራእየት ወ/ሮ ሳባ፣ ናብ ኣይቨሪኮስት ዑደት ምግባራ ዘገርም ተርእዮ ምንባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምኒስተር ፍትሒ፡ ፎዚያ ሃሺም “ተመሓይሹ ዝቐረበ” ዝበለቶ ንድፊ ሲቪላውን ገበናውን ሕጋጋት፡ ፈጻሚ ኣካል ህግደፍ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዱ፡ መመሓየሺ ርእይቶታት መታን ከቕርቡሉ ብዝብል ምኽንያት ናብ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ብዲስክ ልኢኻቶ ከምዘላ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኩሎም ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎኒ ኤምባሲታት ኮይኖም ዝዓዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ን10 ጥሪ ኣስመራ ክኣትዉ ብ’ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦም መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ኣቐዲማ ንዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

sidetእቶም ደቅኹም ኣህዲምኩም ኢሎም፡ ንስድራቤታት ኤርትራ ዘበሳብሱ፡ ዝኣስሩን ዝመቝሑን ሓለፍቲ ህግደፍ ንገዛእ ርእሶም ደቆም ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን የህድሙ ከምዘለዉ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከካይድ ክታሞም ዝተነብሮ መወዋዕታ ኣቕሪቦም ካብ ዝነበሩ ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ሓደ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ተሰዲዱ ዝነብር ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ እቶም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት፡ ፍትሓውን ህዝባውን ሕቶ ህዝቢ ሒዞም፡ በቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ጸላም ቤትማእሰርቲ ይሓቁ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።