Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Saba 1) በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ ናብ ኣይቮሪ ኮስት ምስጢራዊ መገሻ ገይራ ከም ዝቐነየት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ምስ በዓል ቤታ ይኹን ንውልቃ ቅድሚ ሎሚ ንወጻኢ ክትገይሽ ዘይተራእየት ወ/ሮ ሳባ፣ ናብ ኣይቨሪኮስት ዑደት ምግባራ ዘገርም ተርእዮ ምንባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

Nghistiሓፍትና ተጋዳሊት ንግስቲ መንግስቱ፡ በዓልቲ ቤቱ ንነፍሲሄር ተጋዳላይ ተኽልማርያም ግርማጽየን (ባሻይ) ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ቸይስ ፋርም ሆስፒታል ኣብ ለንደን ኪትሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 49 ዓመታ ትማሊ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ ሰዓት 4፡10 ድሕሪ ቐትሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ።