Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Ertireaስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣገዳሲ ሞያ ዝነበሮም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ፡ ሓሙሽተ ሓለፍትን ምሁራትን ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣሲሩ ደሃዮም ኣጥፊኡዎ ከምዘሎ ድንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ወዲ ጕላይ ከም ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ንኣስታት ሰለሰተ ዓመታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝፈጸሞ ናይ ጕቦን ምጥፍፋእን ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ። ኣብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ምስ ቀረበ ድማ በቲ ዝፈጸሞ ናይ ጕቦን ምጥፍፋእን  ገበን ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰርን 1.2 ሚልዮንን ክኸፍልን ወይ ድማ ገንዘብ ክኸፍል እንተዘይክኢሉ ብኣጠቓላሊ ሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ተበዪኑሉ።  ወዲ ጕላይ መን’ዩ? እንታይ ገበንከ ፈጺሙ ኣበይ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኹ ንመልከት።