Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት፡ ንክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት ብዝገበራልና ዕድመ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሰዓታት ቕድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ጽቡቕ መንፈስ ናይ ምርድዳእ ዘለዎ ክልትኣዊ ርክባት ተኻይዱ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሞትን ጥይትን ህግደፍ ተሳጊሮም ምድረ በዳ ሳሃራ ሰጊሮም፡ ዝፈትውዎምን ዘፍቅርዎምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ በረኻ ሲና ንኣሞራ ብሰንኪ ህግደፍ ወፍዮም ኣብ እስራኤል ዕቑባ ዝሓተቱ መንእሰያት ማእለያ የብሎምን።

aliኣብ መንጎ መራሒ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱን ዝነበረ ምውቕ ዝምድና ኣብዚ ጊዜ’ዚ ላሕሊሑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወዲቑ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኤርትራ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ንዘለዎም ግብረሽበራውያን ብምሕጋዛ ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስደላ ከምእትኽእል ኣመሪካ ከምዘጠንቀቐት ቴሌግራፍ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

ደት ዝመረሮ፣ ኣብ ግዳም ዝበሊ ዘሎ ህዝቢ፣ ብኹሉ መዳይ ዝተጎድአ ሕ/ሰብ፣ ዓቕሊ-ጽበት ዝዓሰሎ ባህሪ ዘርኢ
ሰብ፣ ኣየናይ መንገዲ ኮንዶ መዋጽአ፣ ከመይ ዝበለ ብልሓት ክንረክብ ንኽእል ዝብል ዝተጻሕሮ ገጻት ምንባብ፣ እሞ
ኣላሽ ዘይብል ዝነበረ ጅግና ህዝብኻ ኩሉ እቲ በጺሕዎ ዝርከብ ኣካልካ ክትዕዘብ ከለኻ፣ ክሳብ ክንደይ ምሉእ
ናጽነትን ሓርነትን መቐረት ብምስኣኑ ተጎዲኡ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ምረት ኣደራዕ ንነፍስ-ወከፍና ኣንገሽጊሹና ከም
ዘሎ ኣስተብሂልካ ሓዘንካ ደረት ትስእነሉ።

isሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ውሽጢ ከብዲ ዓዱ ከም ረመጽ ዝሽልቡቦ ዘሎ ሕቶ ቅዋም፡ ሕቶ ነጻ ፕረስ፡ ሕቶ ስራዓተ ሕጊ፡ ሕቶ መሰል፡ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ሕቶ ምርጫ፡ ሕቶ ፍትሒ፡ ሕቶ ምዕባለ፡ ሕቶ እሱራት ምፍታሕ፡ ሕቶ ዓመጽ፡ ሕቶ ፖለቲካዊ ምንዝርና፡ ሕቶ ብልሽውና፡ ሕቶ ተሓትትነት፡ ሕቶ ግሉጽነት….. መልሲ ዘቛምተሉ ዘሎ እዋን ኢዩ፡፡