ዛጊት ብ UNHCR ዘይተበጽሑ 7 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 53 ካላኦት ኤርትራውያን ኣብ ዳንፉድ ዝብሃል ኣብ በንቓዚ
ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ምህላዎም እቶም ግዳያት ብቴለፎን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።
ዓሚ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሮቤል ተወልደ ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዝተኸሰ ጀርመይን ካሉም ዝተባህለ ገበነኛ፡ ጉዳዩ ኣብ ቤትፍርዲ (Old Bailey) ድሕሪ ምስምዑ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ይጽበዮ ከምዘሎ South London Press. ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ሕታሙ ሓቢሩ።
ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል መጋበርያ ምልካዊ ስርዓት ኣብ
ከተማ ስቶክሆልም
ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል መጋበርያ ምልካዊ ስርዓት ኣብ
ከተማ ስቶክሆልም
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ ምስሪ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዱ ናብ ኤርትራ ምምልሱ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዝርዝር ዜና ብቭድዮ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ።
ኣርሴማ ዳዊት ዝተባህለት ለንደን ዝምቕማጣ ጓል 15 ኤርትራዊት ተማሃሪት ትማሊ 2 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቀጽሪ ገዝኣ ብዘጋጠማ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ኣብ ሕክምና ቅድሚ ምብጽሓ ብኡንብኡ ዓሪፋ።
ህግደፋዊ መኸተ በርሚንግሃም ቀዳም 19 ሚያዝያ 2008 ብዓወት ተቓውሞን ኣብያ ኤርትራዊያን ተመኪቱ።
ታሪኽ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ሳውዝ ኣፍሪቃ ምስንውኽስ ናይ ሎሚ ኣምባሳደር ገፋዕቲ ወይጦ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዓቢ እጃም ኸምዝነበሮ ናይ ኣደባባይ ምስጢርዩ፡፡
ሓሙሽተ ኣባላት ሃግራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዩጋንዳ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም።
– ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል
– ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የስፋሕፍሕ
ቁጠባዊ ወጥርታት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ፡ እኩብ ድምር ናይ ዝተፈላለዩ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ሮቛሒታት እዩ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ጠንቁ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ብዙሓት ነጋዶ ኣሲሩ ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ።
ኣብ ሸፊልድ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ብምቅዋም ብ5 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ እንተኾይኑ እቲ ንልኡላውነት ሃገሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ዘኽብርን ዝሕሉን፡ ወጽኢት መሪር ቃልሱ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ቅዋሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ።
ነዚ ንምትግባር ከኣ ብዘይካ በቲ ብዓል ቤት ናይዚ ሕቶ`ዚ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ዘይፍጸም ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዓለም ተማሂርና ኣሎና።
ሽሕ እኳ ኣውቲስታ ወዲ ኤፍረም ዕጫ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣውቲስታ ‘ሳልሕ’ ይበጽሖ ከምዝኾነ ይፍለጥ እንተ ነበረ፡ እንሆ ክቡር ሓውና ንሱ በዘይፈልጦ ጉዳይ፡ ጥራሕ ተለኣኣኺ ብምዃኑ ሚስጢራት ንምድምሳስ ፡ ግዳይ ዓመጽቲ ኮይኑ።
ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ሎሚ ሰንበት (30 መጋቢት) ኣብ ኢደንብራ፡ ስኮትላድ ኣብ ዝተኻየደ ጉያ መሮር ሳልሳይ ወጺኡ።
ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2008 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።
ስርዓት ህግደፍ ን መንእሰይ ኤርትራ ግዱድ ዕስክርና ነጻ ጉልበት ብምጥቓም መጻኢ ሂወቱ ኣጸልሚቱ ባርያ ናይ ሰበስልጣናት ገርዎ ይርከብ ። ነዚ ግዱድ ዕስክርና ዝመረሮም በሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ድማ ብሰንኪ እዚ ስርዓት ዝፈትውዋ ሀገሮም ገዲፎም ካብ ቅድሚ ሕጂ ተራእይዎ ዘይፈልጥ ቑጽሪ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ ።
ቃል ኣቦ-መንበር ተጋ. ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ !!
ትማሊ ዕለት 26 ጥሪ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ስዊድን ዝተዓደመ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣካየድቲ ሰሚናር ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣቶ ሙሴ ኤፍረምን ሰመረ ከሰተን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ሰሚናር ቅልውላው ኤርትራን ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ዘድሃበ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ዝተፈላለዮ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ዕለት 02 ሕዳር 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ከካይድዎ ዝጸንሑ ንናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዘተታት ብምቕጻል ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 05 ጥሪ 2008 ዓ.ም ሓሙሽተ ፈጻሚት ኣካል ዘለዋ ባይቶ ብምቛም ከስርሖም ዝኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም።
በሃር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኢድንብራ (ዓዲ እንግሊዝ) ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9.3 ኪ.ሜ ሃገር ኣቋራጭ ውድድር ጉያ (Bupa) (cross-country championship ) ዝነኣድ ቅድድም ብምክያድ ካልኣይ ደረጃ ወጺኡ።
ሰሚናር ኣብ ስቶክሆልም – ብሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ (ኣካል ህጹጽ ጉባኤ ናይ መስከረም 2007 ): ኣርእስቲ ዘተ፡ ቅልውላው ኤርትራን፡ ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ! (ህግደፍን፡ ተቓወምትን)
ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።
ሰለስተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣል-ሳሓፋ ዝተባህለት ብዓረብ እትሕተም ናይ ሱዳን ነጻ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ 28/12/07 ሕታማ ገሊጻ።
ግጥም ደለይቲ ፍትሕን ተጣበቕቲ ዓመጽ ህግደፍን ኣብ ሰያትል ኣመሪካ፡- ሰያትልን ኣስመራን ብርሕቀት ጥራይ ዘይኮነ ብሕግን ናጽነትን ‘ውን ናይ ኣሽሓት ማይላት ፍልልይ ከምዘለወን መሊሱ ዝተረጋገጸሉ ኣጋጣሚ።