Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Sinaiፖሊስ ምስሪ ንሓንቲ ቆልዓ ሒዛ ብሓውሲ ደሴት-ሲናይ ናብ እስራኤል ክትሰግር ዝፈተነት ኤርትራዊት ኣደ ቖልዓ፡ ካብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ብጥይት ከምዝቐተሉዋ ሮይተርስ ካብ ምስሪ ሓቢሩ።

መሪሕ ኣብራሃም ዝተባህለት ኣብ ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት ዝምቕማጣ ኣደ ክልተ ቆልዑ ኤርትራዊት መንእሰይ፡ ኣብ ድሮ ብዓል ልደት 24 ታሕሳስ ኣብ ምድቃሳ ላሕኵ ጋዝ ብዘስዓቦ ምምራዝ ኣየር ሳልሳይ ርእሳ ብሓደጋ ጋዝ ከምዝዓረፈት፡ ምንጭታት ካብ ፍራንክፈርት ሓቢሮም።

ሰናይት ሃብተማርያም ዘርኡ ዝተባህለት ካብ ሃገረ ሱዳን ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ ኔዘርላንድስ ዝኣተወት ኤርትራዊት ዜጋ፡ ብሕጋዊ በዓል ቤታ ካብ ኔዘርላንድስ ናብ ኤርትራ ንምብራር ንዝተኻየደ ፈተነ፡ ሕጋዊ መሳልል ተጠቒሙ ደው ከምዘበሎ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ፡ ኤርትራዊ ማእከል ምርምርን ስነዳን /ERDC/ ዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሓቢሩ።

arsemaኣርሴማ ዳዊት ዝተባህለት ለንደን ዝምቕማጣ ጓል 15 ኤርትራዊት ተማሃሪት ትማሊ 2 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቀጽሪ ገዝኣ ብዘጋጠማ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ኣብ ሕክምና ቅድሚ ምብጽሓ ብኡንብኡ ዓሪፋ።

ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እዚ ሎሚ ዕለት 18 .09.2007 ኣብ ለንድን፡ ሮማ፡ ሰቶኮልም፡ ዋሺንግቶን፡ቀኢሉ እውን ኣብ ፍራንክፈርት፡ ዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት እዋናውን ኣንፈት መጻኢት ኤርትራዊት ደሞክራሲን ኢዩ።