Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ 18 ነሓሰ ከካይዶ ኣቐዲሙ ሒዙዎ ዝጸንሐ ናይ ሃገረ – ቐጠር መገሻ ከምዝቦኾረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

በቲ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ሃማደኤ ጨንፈር ኤውሮጳ ተዳሊዩ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ኣይሪሽ-ሰንተር
ንቐዳም 27 መስከረም 2008 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ እቲ ንውልቀመላኺ ስርዓት ናይ ምግባርን ምግልጋልን
እኩይ ዕላምኡ ምስቲ ንምዕንባብ ሰላምን ዲሞክራስን ዘአንግድ መትከላት ኣይሪሽ-ሰንተር ስለዘይቃዶ ነቲ ማእከል
ከይጥቀመሉ ፍቓድ ተኸሊኡ።

ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ እንተኾይኑ እቲ ንልኡላውነት ሃገሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ዘኽብርን ዝሕሉን፡ ወጽኢት መሪር ቃልሱ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ቅዋሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ።
ነዚ ንምትግባር ከኣ ብዘይካ በቲ ብዓል ቤት ናይዚ ሕቶ`ዚ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ዘይፍጸም ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዓለም ተማሂርና ኣሎና።