Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዕለት 08 ግንቦት 2011 ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዕውት ክልትኣዊ ርክባት ኣብ ካርቱም ሱዳን ተኻይዱ።ብወገን ሱዳን ዝተረኽቡ፡ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣምባሳደር መሓመድ ሓምድ፣ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ቐርኒ ኣፍሪቓን ሃገራት ኣዕራብን ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ሓላፊት ስድተኛትት ቐርኒ ኣፍሪቓን

HagosKishaYemane

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

 

ሰበስልጣን ሊብያ ብዘይካ ‘ቶም ኣብ ምስርታህዝ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ዘሳቕዩዎም ዘለዉ 700 ኤርትራውያን፡
ዛጊት ብ UNHCR ዘይተበጽሑ 7 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 53 ካላኦት ኤርትራውያን ኣብ ዳንፉድ ዝብሃል ኣብ በንቓዚ
ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ምህላዎም እቶም ግዳያት ብቴለፎን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።

 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።