Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጽባሕ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ብ21 ሰነ ንግዱድ ስጓ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንግስቲ ምስሪ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ፊት ኤምባሲ ምስሪ ምዉቕ ዝበለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ሓደ ሕርኽርኽ ዘብል ዘይወሓጥ ትዕዝብቲ ተዓዚበ።

Lonኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ መንግስቲ ምስሪ ምስ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓባቢሩ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምስጓጉ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስሪ ዕዉት ሰላማዊ ስልፊ ኣካይዶም።

ከምቲ ትፈልጦ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብሰላምን ራህዋን ምንባር ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከቢድ
መስዋእቲ ከፊሉ ድማ ናጽነቱ አረጋጊጹ። ብድሕሪ እዚ ድማ አብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ህዝቢ ሃገሩ ንኽሃንጽ ካብኡ
ዝድለይ ኩሉ ብምውፋይ እኳ ድኣ አብ ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ዘይርኣይ ወፈያ ገንዘብን ጉልበቱን ከበርክት ዓለም
ምስክሩ እያ።

ህዘቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሪር ተጋድሎኡ፡ ብርሃን ናጽነት ኣብ ኤርትራና ንክውላዕ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ፡ ኣሓቱን ኣሕዋቱን፡ ነታ እንኮ ክብርቲ ሂወቶም ብጅግንነት ወፍዮማ ሓሊፎም።

ሎሚ 20 ሰነ ነቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ውፉያት ጀጋኑ ኤርትራ ኣኽብሮትና እንገልጸሉ ረዚን ዕለተ-ዝኽሪ እዩ። ዝኽሪ ንስለ ዝኽሪ ግን ፋይዳ የብሉን። ምስ ዕዙዝ ሞያኦም ምእንቲ ክዳረግ፡ ኣኽብሮትና ልባዊ ክኸውን ይግባእ።

dcኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ምስሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ 700 ሚእቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘካየዶ ኢሰብኣዊ ግዱድ-ስጓ ብምቅዋም ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ምስሪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

aseንስርዓት ህግደፍ ሓዲግካ፡ ቅድሚ ቁሩብ ሳምንታት፡ “ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ግዝኣተይ ኣትዮም ኣለዉ፡ ወጥሪ ተኸሲቱ ‘ሎ” ክትብል ጅቡቲ ክሳብ ውድብ ሕቡራት ዘሰምዓቶ ኣቤቱታ ዝተኸታተለ ሰብ፡ በዚ ብ11ን 12ን ሰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘጋጠመ ብረታዊ ረጽሚ ክግረም ኣይክእልን እዩ።

ሕሉፍ ታሪኽና ናብ ናይ ጽባሕ ወለዶታት ክመሓላለፍ መታን ክንውከሶን፡ ክንመሃረሉን ብግቡእ ክስነድ ይግባእ። ኩሉ መዳያቱ ክንፍትሾ’ውን ግቡእ ኢዩ።

eriካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብቲ ብዕለት 10ን 11ን ሰነ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ጅቡትን ዝተኻየደ  ውግእ ብወገን ኤርትራ 78 ከምዝተሞቱን 117 ዝተወግኡ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብኡ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ብ14 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባ፡ “ንመጥቃዕቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ” ኮኒኖም።

Eritrea has dominated discussions at an East African summit in Addis
Ababa attended by all regional leaders except Eritrean President Isaias
Afwerki. From the summit site, VOA’s Peter Heinlein reports the leaders
present issued a joint communiqué condemning Eritrea’s military attack
on its neighbor, Djibouti.