Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት  ህግደፍ : “ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ  ምትእትታው  የብለይን” ኢሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝኽሕደሉ ዘሎ እዋን ፡ ክልተ ወተሃደራውያን ኣማኸርቱ ኣብ ሶማልያ ተሸሪቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።


መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኢራን ከምኡ ‘ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝንገረሉ ሄመል ኽትያር ኣልዕቡድ፡ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ስሉስዊ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኤርትራ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ንዘለዎም ግብረሽበራውያን ብምሕጋዛ ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስደላ ከምእትኽእል ኣመሪካ ከምዘጠንቀቐት ቴሌግራፍ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

ሰለስተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣል-ሳሓፋ ዝተባህለት ብዓረብ እትሕተም ናይ ሱዳን ነጻ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ 28/12/07 ሕታማ ገሊጻ።