Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Meskelበዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።

ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ፤ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽግበር ክጽውዑን ክጠልቡን ጸኒሖም እዮም።

Frፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።

– ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል
– ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የስፋሕፍሕ

ዘርሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ።