ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ግርማይ ሳንቲም፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጓጉ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ክወጽእ ርዑኡ ጠቕሊሉ ተዳልዩ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
ዝኸበርኩም ተከታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።
ቴድሮስ መንግስቱ ዝተባህለ ሓደ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ህዩስተን፡ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብደገፍቲ ህግደፍ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ጽጹይ መጽናዕቲ ክካየደሉ CPJ ዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣጥቢቑ ጸዊዑ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቆንስል ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ሳልሕ ኢማን ማሕሙድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ እሙናት ምንጭታት
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ሎሚ 16 ሚያዝያ ዜናኣ ኣቃሊሓ።


ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ንደሞክራስያዊ ሰልፊ ወኪሉ ዝተወዳደረ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2008 ቀዳማይ ጸሊም-ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ብምምራጽ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ሳልሳይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ብዓወት ብዕለት 5ተ ሓምለ 2008 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣቃኒዑ።
ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከምእትሳተፍን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምእትራኸብን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ስተይት ዲፓርትመንት ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።
ናይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኣመሪካን መንግስቲ ሲሪላንካን ከም ‘ግብረሽበራዊ ውድብ’ ዝጥቀስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ቀጥታዊ ወተሃደርዊ ሓገዝ ይገብር ከምዝነበረ ከምዘቃለዐ ኤሽያን ትሪቡን ዝተህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ከም መርኣያ ናይቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነበረ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ኤርትራ ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ግዳያት ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን (1998-2000) ዝኾኑ፡ 700 ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ፡ መሰል ዑቕባ ተዋሂቡዎም ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ክጣየሱ ናብ ኣመሪካ ይኸዱ ከምዘለዉ ላዕዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።