Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

Truthሓበሬታ ሓይሊ እዩ። ነዚ ሓይሊ ‘ዚ ከየዋህለልካ፡ ክትወፍር፡ ወፊርካ ከተፍሪ ወይ ወፊርካ ክትኣቱ ኣይከኣልን። ኣሰና ነዚ ጽንሰ-ሓሳብ’ዚ ሒዛ እያ ነቒላ ። ነጻ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ብምስላጥ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዓይኒ ዘይብሉ፡ ኣዒንቲ ዘዐምት: ኣእምሮ ዘደንቍር መርዛም ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተላቒቑ፡ ንቑሕ ውሳኔ (informed decision) ንኽወስድ ባይታ ምፍጣር እዩ ቀንዲ ተልእኾኣ።

EUቤትምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ውሳኔ 1907 ተመርኵሱ፡ ብቑጽሪ (5534/10)  ዝፍለጥ ንትግባረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምትግባር ንኽሕግዞ ዝኣመሞ ኣህጉራዊ ቀያዲ ስጉምታት ከምዘጽደቐ ብ 1 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998-2000 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ዶባዊ ኵናት ንዝወረደ ዕንወት ብምምርማር ካሕሳ ንምውሳን ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ካሕሳ፡ ኤርትራን እትዮጵያን፡ ነንሕድሕደን ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ካሕሳ ክኸፍላ ውዱእ ውሳኔ ከም ዝሃበ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ህሉው ኩነታት ሃገርና ብደቂቅ ድሕሪ ምምዛን፡ ኣብ ጀርመን እንርከብ ሃገራውያን: ምትእኽኻብና፡ ጸረ ውልቀ መላኺ ዝዓለመ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምውፋይ ጥራሕ፡ ከምዝኾነ  ኣቐዲምና እናሓበርና ፡ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔ ነመሓላልፍ፡፡

 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።