Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

isaias gadafiእቲ ሞቱን ህይወቱን ምስ ፕረዚደንት ሊብያ ሙዓመር ቃዛፊ ዘተኣሳሰረ ገበነኛ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝነበረ፣ ሎሚ ግን ብህዝባዊ ማዕበል ህዝቢ ሊብያ ዝግረፍ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ንምድሓን 200 ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዃን ኣብ ሳሕል ዝተዓለሙ ፍሉያት ኮማንዶ ናብ ሊብያ ሰዲዱ ‘ሎ።

isaias gadafiእቲ ሞቱን ህይወቱን ምስ ፕረዚደንት ሊብያ ሙዓመር ቃዛፊ ዘተኣሳሰረ ገበነኛ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝነበረ፣ ሎሚ ግን ብህዝባዊ ማዕበል ህዝቢ ሊብያ ዝግረፍ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ንምድሓን 200 ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዃን ኣብ ሳሕል ዝተዓለሙ ፍሉያት ኮማንዶ ናብ ሊብያ ሰዲዱ ‘ሎ።

Spieእቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም።

mezgebብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር ኣብ ዝዘርግሖ  ስለያዊ መርበብ ናይ ዝነጥፉ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ላስ ቬጋስ ዝርከቡ ሃሱሳት ኣስማት ተቓሊዑ።

ፊልፍልሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ

ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ናይ ኮምፒተርን ኔትዎርክን ብዓል ሞያ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ በረኸት ገብረብርሃን ዝተባህለ ክኢላ ንተወሳኺ ስልጠና ናብ እስራኤል ድሕሪ ምኻዱ ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕርሖ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

Sawaኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

…ክላ ወደይ ስም ቀይር ኣለናስ ምሒር ዓብዩካ !!!

ርኢቶይ ነዚ ኣለና ብዝብል ናይ ብርዒ-ስም ተኸታቲሉ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ።

ሀ)መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይቀራረቡ/ይረሓሓቑ?

ለ) መራሒ ድዩ ንመስርሕ ወይስ መስርሕ’ዩ ንመራሒ ዝምልምሎ?

ህዝቢ ኤርትራ ብደው ካብ ዝመውት ድሮ 19 ዓመቱ ኮይንዎ ኣሎ። ህግደፍ  እዛ ጭርሖ ዝጥቀሙላ ኩሉጊዜ መሬት ጽብብ ክትብሎም ከላ‘ያ ።ኣብ ጊዜ ሰውራ ብወዲ ዛግር ዝተደርፈት ,ኣብ ጊዜ ወያነ ዝተደግመት,ሕጂ ድማ ኣብ ጊዜ ማዕቀባ ሕ.መ.ዓ. (ሕቡራት መንግስታት ዓለም)። ጉዳይ ጽሑፈይ ኣብ ስዊዘርላንድ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ብይን እገዳ ሕ.መ.ዓ.  ኢዩ ።

 

             ተባዕ ክትባሃል ብዙሕ ጨዲርካ ፈኪርካ
             በታ ሓሳዊት ቲቪ.ኤረ ንህዝቢ ኣታሊለካ
             ዝገብርኦ የብለንን እስከ ክንሪና እናበልካ
              ብነብስና ብጽፍረና ብሕቖና ክትብልቀኒኻ
              ዝኹሉ ጃህራኻስ እምባኣር ኣምበርኪኹካ

ኣብ ፓኪስታን ካብ ዝተኣሰሩ 5 ኣመሪካውያን ጥርጡራት ግብረሽበራ እቲ ሓደ ኤርትራዊ መበቆል ከም ዘለዎ ብዝተፈላለያ ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ዓለም ተጠቒሱ  ‘ኳ እንተነበረ፡ ዜጋ ናይ ካልእ ሃገር ምዃኑ Seattle Times ብ 26 ታሕሳስ ኣብ ዘስፈሮ ዓንቀጽ ኣመልኪቱ።

ኣቦታትና፡ቁልዕነት ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል፡ተመኩሮ ዝጎድሎ ስራሑ ብጽቡቕ ለኪዑ ስለዘየጠናቕቕ፡ቆልዓስ ይጎዩምበር ኣይቅድምን ይብሉ።

ኣብ ህግደፍ ዘለው ሰባት ቆልዑት ኣይኮነኑ፡ብብዝሒውን ውሑዳት ኣይኮኑን።ኣብ ተመኩሮውን ዘይነኣኣስ ተመኩሮ ዘማዕበሉ ምኳኖም ዘይከሓድ እንተኾነ፡መንግስታዊ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዞም ግን ካብ ምጉያይ፡ሓሊፎም ኣብ ዓወት ዘብጽሕዎ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ የለን።

ብዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ኣሰና ብሚካኤል ኣብርሃ ንምሕረት ገብረየሱስ ብዛዕባ ሕብረት ኤውሮጳ ንርእሰ መላክን ቐታሊ ሰብን መንግስቲ ኢሳያስ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዝገብረላ ቓለ መሕተት ኣንቢበዮ። ኣብ'ቲ ቓለ መሕተት ሓፍትና ምሕረት እቲ ዝተገብረ ጻዕሪ ቓልሲ ናይ ተቓወምቲ ንባዶሽ ከምዘይኮነ ግን ገለ ውጽኢት ወይ ዓስቢ ከምዝተረክበሉ እያ ተዛሪባ።  ኣቦታትና ክምስሉ " ጸርፊ ዝገደፍና የብልናን ኣሓ ግን ተወሲደን እየን" ይብሉ ፤ እሞ ሰላማዊ ሰልፊን ካልእ ጎስጓሳትን ከምዝተገብረ ተሓቢሩ ኣሎ ግን ነተን ገንዘብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ኢድ እቲ ቓታሊ ሰብ- ኢሳያስ ከነድሕነን ኣይከኣልናን።

 ፕረዚደንት ኢሳይያስ 16 ኣምባሳዶራት ካብ ስርሖም ክድስክሉ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓቢ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ከምዘሎን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።  እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽውዖም ብ20 ለካቲት ኢሳይያስ ናይ መዛዘሚ ኣኼባ ዘካየደሎም ኣምባሳደራት፡ ኣብቲ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

Siመንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብ13 ጥቅምቲ ንኮለኔል ስምኦን ገብረድንል ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝኣሰረ ምእማኑ ሮይተርስ ካብ ኣሰመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ተኣምራትዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal)  ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal )  ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።