Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Osloኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ህግደፍ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣብ ኖርወይ ክገብሩ ከምዝቐነዩ ብመራኸቢ ብዙሓን ተቓሊሑ። እዚ ኩነት’ዚ ነቶም ገርሀኛታት ”ለካ ህግደፍስ ኣብ ኤውሮጳ ገና ብርክት ዚበሉ ደገፍቲ ኣለዉዎም” ከምዝብሉ ጌሩዎም ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን።

usaዝኸበርኩም ተከታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።

Friends of Asena Norwayኣብ ኖርወይ እትቕመጡ 16 ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ብዝተወደበ መንገዲ 13800 ክሮነር ቅጽበታዊ ሓገዝ ከወፍዩ ከለዉ ዓመታዊ ነፍሲ ወከፎም £132  ብድምር £2112 ከበርክቱ ተመባጺዖም። ካልኦት ግዱሳት ተቐማጦ ነርወይ ክተሓባበሩዎም ከኣ ጸዊዖም። ድምጺ ኣሰና፡ ንኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ነርወይ ብስም ተኸታተልታ ብፍላይ ድማ ብስምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋናኣ ተመሓላልፈሎም።

ሲኞር ፔየር ጃኒ ፕሮስፐሪኒ < www.l’espreso >

1)ቀዳማይ ሚንስተር ሲልቪዮ በርልስኮኒ፡ድሕሪ ንርእሱ ዝከላኸል ሕጊ ኣውጺኡ ብፈራዶ ኣካል ድሕሪ ምንጻጉ፡ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ተባሂሉ ኔሩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ኣብ ብዙሓት ቅትለታት ዝተሳተፈ ማፍያ፡ማርቸሎ ኡርቲ ዝበሃል ሽርካ ሲልቪዮን ሲልቪዮ በርልስኮኒ ምስ ማፍያ ርክብ ከምዘለዎም ተናዚዙ።ድሕሪ ሲልቪዮ ዝመርሖ መንግስቲ ህላዌኡ ኣጠራጣሪ ስለዝኾነ፡ንዝመጽእ ምርጫ ምቅርራብ ብዝብል መደብ ኣባላት ሰልፊ ንምውዳብ ብዕለት 13-12-09 ስንበት መዓልቲ ኣብቲ ማእከል ሚላኖ ዝርከብ ዱዎሞ ዝተባህለ ቦታ መደረ ኣስሚዑ።