Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

genevaመርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ

June 20ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምርካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብኣሃዝ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክትርእዮ ኸለኻ ጥራይ ኳ ዘሰንብድ እዩ። ድርኩኺት ህድሞን ኣግነትን መረባዕን ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰጊርካ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ‘ቲ ኣብ መንደቕ ክብረት ዝነበር ዘሎ ኣሳእሎም ፊት ንፊት ክትጠማመት ከለኻ ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ተራቢሑ ዝያዳ ትርጉምን ርዝነትን ስለዝህበካ ካብ ስንባደ ሓሊፍካ ትርጉም ነብስኻ ክትሓትት ትግደድ፡

ፈንክል ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ህግደፍ ኣይኮነንህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ተኻታታሊ መግዛእታትን ንልዕሊ 30 ዓመታት ብርቱዕ ቃልሲ ድሕሪ ምክያዱ መዘና ዘየብሉ ከቢድ መስዋእቲ ምእንቲ ሃገሩን ሓርነቱን ከፊሉ ነጻነቱ አረጋጊጹ።

ሎሚ 20 ሰነ ነቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ውፉያት ጀጋኑ ኤርትራ ኣኽብሮትና እንገልጸሉ ረዚን ዕለተ-ዝኽሪ እዩ። ዝኽሪ ንስለ ዝኽሪ ግን ፋይዳ የብሉን። ምስ ዕዙዝ ሞያኦም ምእንቲ ክዳረግ፡ ኣኽብሮትና ልባዊ ክኸውን ይግባእ።

ኣብዚ እዋን’’ዚ መውጽኢ ኣፍ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ “ ኣመሪካ፡ ኣመሪካ “ ኮይኑ ‘ሎ። ሎምስ እቲ መረረ ፕረዚደንት ዝጥርዙ መደረ፡ ኣብ ሃገራዊ ጽምብላት ውሒዱስ፡ ከም “ዋዕላ ዕርቂ ሶማላውያን” ዝኣመሰለ ንኣመሪካ መጻረፍን መተንፈስ ቅብጸትን ዝኸውን መድረኻት ምፍጣር ‘ውን ተጀሚሩ ኣሎ።