Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

delinaድምጺ መሰልና-ደሊና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝገበሩላ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ ካብ ሓደ ጥሪ 2009 ኣትሒዛ ብ 9610 kHz 31 ሜተር ባንድ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።

asterሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

Conጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከምእትሳተፍን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምእትራኸብን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ስተይት ዲፓርትመንት ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።