ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ፍራንክፍርት ንዕለት12.03.2011 ክብዕል ምዃኑ ኣቀዲሙ ብዕለት 27 ጥሪ 2011 ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
ኣንጻር ውልቀምካዊ ስርዓት ሑስኒ ሙባረክ ን18 መዓልታት ብጽንዓት ተቓውሞ ከካይድ ዝቐነየ ህዝቢ ግብጺ፡ ሎሚ 11 ለካቲት ተዓዊቱ፡
ትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡
አይተ ኩሉ ባዕሉ አብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ሕጻውንቲ ቖሉዑ አኪቡ አብ መድረኽ ድሕሪ ምድያብ ህብቡነቱ ከረጋግጽ ፈቲኑ;፡ መችም ዓቢዱ ጨርቁ ካብ ዝድርቢ ነዊሕ እዋን እንዲዩ ኮይኑ ዓገብ ክብሎ ሰብ አይተጸበኹን።
ብምኽንያት መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር ቀዳም ዕለት 12-06-2010 ሐቢርና ንክነምሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም/ክን።ንታሪኻውነትን ክብርን መዓልቲ ናጽንት ሃገርና ዘንጸባርቑ ናይ ስነ-ጽሑፍ መደባት ሃገራውን ባህላውን ሙዚቃ ከምኡውን ባህላዊ መግቢ አዳሊና ከምዘለና ንሕብር።
ፕረዚደንት ኢሳያስ (ፒኢኣ) ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ሓሶት ብምድግጋምን ምድንጋርን ጥራይ ከይኣክል ብሓሶት ሓደ ምስ ሓደ እንዳናቖተ ስልጣኑ ከምዘጣጠሐ፣ በቲ መንካዕ’ባ የሚን’ባ እንዳተባህሉ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ከነረጋግጽ ንኽእል። እንተኾነ መብዛሕተኦም ተጋደልትና ኣይስተውዓልዎን።
ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን አብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ብዕለት 22 ግነቦት 2010 ብተቀማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምኡውን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት፤ ኑርነበርግን ኡሉምን ዝመጽኡ አጋይሽ ብሓባር ዝተኻፈልዎ ብድምቀት ብዒሉ ውዒሉ፡፡
ብቀዳምነት ኣሕዋት ኤርትራውያን! ብምኽንያት መበል 19 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ነቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ስድራ፣ ተጋዲሎም ዝተጋደሉ ብህይወቶም ዘሎው ዝሰንከሉን ዘይሰንከሉን ጀጋኑ ሞጎስ ይኹንኩም እብል። ብምቕጻል ነቲ ተቓሊሱ ዝተቓለሰ ኣጋር ሰራዊቱ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ኣብጽሓካ ክብል እፈቱ።
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት ደመ-ሕልናኡ ዝተጸንቀቖ፡ ሕጂ ድማ ግዜ ዝጽንቀቖ ዘሎ፡ ስስዐ ስልጣን ዘዕበድበዶ ስርዓት እዩ።
ንኹሉኹም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ስደት ዘለኹም ወይ ‘ውን ንኽትስደዱ ኣብ ባሕርታት ሜዲተራንያን፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፡ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ጉዕዞኹም ትቕጽሉ ዘለኹም ወይውን ኣብ እስርቤትን ጸልማትን ህግደፍ ተዳጉንኩም ፍትሒ ንኽትረኽቡ ሃንቀው ትብሉ ዘለኩም ኩቡራት ደቂዛ ብኹቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገር ንሕና ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (Eritrean Youth for Change, EYC) ርሑስ ሐድሽ ዓመት እንዳበልና መጻኢ ዓመት፡ ዓመት ሰላምን ራህዋን ንክኾነልና ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ። 



ሎሚ መዓልቲ ኣብዛ ባሕቲ 2009 ‘ውን ከም ትማሊ ቅድሚ-ትማሊ “ርሑስ ሓድሽ ዓመት!” ክብለካ እዩ፡ እቲ መንጸሮር ኮይኑካ ዘሎ ወልቀመላኺ። ካብ ደረቕ ልቢ ዝወጽእ ጥሉል ቃላት ግን ኣይከርክኣካን እዩ። ግዜ ብዙሕ ሻዕ ፈሪዱካ እዩ ‘ሞ ሎምስ ንግዜ ብግዴኻ ፍረዶ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ የሕቅቖም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ጀጋኑ ሓደ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ እዩ። ቢተወደድ ኣብርሃ ንውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ብኣግኡ ስለዝተቓወመ ንልዕሊ 17 ዓመት ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ይሓቅቕ ኣሎ። ነዚ ጸሓይ ናጽነት ኣምጺኡ ጸሃይ ንጽነት ዘይረኣየ መትከላዊ ተጋዳላይ ስርዓት ህግደፍ ክርሳዕ እዩ ዝደልዮ፡ ንሕና ግን ወትሩ ክንዝክሮ ይግባእ።
ዓመተ ራህዋን ሰላምን
መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ህቡብን ሓርበኛን የማነ ገብረሚካኤል ብዓቢ ድምቀት ተዘኪሩ::