Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ብ13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ማእሰርቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ዘስካሕክሑ፡ ዊዓ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ መታሕት ኤርትራ ዝርከብ ህሮርማዊ ቦታ ኣብ ትሕቲ መሬትን ኮንተይነራትን ኣሲሩዎም ዝጸንሑ 400 እሱራት፡ ሓለውቶም ጥሒዞም ድሕሪ ምምላጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኤርትራ ተበቲኖም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣፍሊጦም።

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ምስቶም ዝሓለፈ ሳምንቲ ብምልካዊ ህግደፍ ዝተኣሰሩ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ABካብ 'ቶም ስርዓት ህግደፍ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣሲሩዎም ዘሎ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓደ፡ ማለት ሃይለሚካኣኤል ዑቕቡ ጥራይ ከምዝተፈትሐ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣቶ ሓጅ ዓብደል ኑር ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ገሊጹ።