Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 መልእኸቲ ብስም ኣብ ማእሰርቲ ካብ ዝርክቡ ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ን2ይ ጊዜና ካብ ቤት ማእሰርቲ እንሰዳ ዘለና መዘክር

READ MORE

መኪና ህግሓኤ ሓደ መራሒን ብርክት ዝበሉን ተሓጋገዝትን ሒዛ ነስመራ ክትኣቱ ከላ ምስኪናይ ህዝብና፣ “ደጊም ሞት ከም ኣዳም፣ ሃገርና ሽሻይ ብሽሻይ ክትከውን’ያ! ደርጊ ካብ ጠፍአ ኩሉ ሓጥያትና ንግፍ ኢሉ ምስኡ ክበንነልና’ዩ! ኣምላኽ ነዛ መዓልቲዚኣ ከየርኣኻ እንቋዕ ኣይቀተልካና፣ ወዘተ” ዘይበለ ኣይኮነን፣ እዚ ትምኒት’ዚ ከም ጨው ሓቒቑ ክተርፍ ግን ግዜ ኣይወሰደን።

dejenተግባራት ናይ ሓደ ግናይ ስርዓት ክትጻወሮም ጥራይ ዘይኮነስ ክትዝክሮም ’ውን ኣጸገም ’ዮም፡፡ እቲ ምንታይሲ እናሻዕ ስለዝደጋገሙ፡ ነቲ ግናይ ዝገነየ፡ ነቲ ዝገነየ ብኣዝዩ ዝገነየ እናተደራረበ ስለዝኸይድ፡፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ሳላ ንደቂደቁ ዘይንሕፍ ቀዛፊ ስርዓት ኢሰያስ፡ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ክንዮ ንቡር ሓሊፉ መስፈሪ ተሳኢኑዎ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ህሞት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ብዝፍጸሙ እከይ ተግባራት ክትዕቅኖም፡ መዓልቲ ኣዝዩ ይገዝፈካ፡፡ ከከም ስሚዒትና ገሌና ብመዓልቲ ወይ ብሰዓታት ንዕቅኖ ንኸውን፡ ገሌና ’ውን ብሰዓታት ደቓይቕ፡ ንዓይ ግን እዚ ኩሉ መዐቀኒታት ኣዝዩ ገዚፍ ስለዝኾነ፡ ካልኦት መዐቀኒታት ሃሰስ ክብል ይግደድ፡፡