Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማርሕበረኮም ኤርትራውያን አብ ሳንታ ክላራ ካውንቲ አብ ክፍለ ግዝኣተ ካሊፎረንያ ትማሊ 03 ጥቅምቲ 2010 ናይ’ቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝኸፈቶ ሓዲሽ  ኮማዊ ማእከል (ኮሚኒቲ ሰንተር ) ናይ ምምራቕ ስነ ስራዓት ብዓቢ ደምቀት አካይዱ።

አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ።