Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዎ ኩብርህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቅካን የሕዋትካን ኣቦታትካን ኣዴታትካን ንራህዋ ፍትሕን  ሰላምን ንሓርነትን ናጽነትን ዝኸፈልናዮ ኩቡር መስዋእትን ስንክልናን ሃልኽ ጻዕርን ንኸተዘንትወሉ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ጅግንነት ህዝብና፤ሎሚ በዞም ህዝብና ዘይ መረጾም መሪቁ ቆጽሊ ኣውዲቁ ዘይ ባረከሎም ባዕሎም ብምልኪ ኣብ ስልታን ጥልመት ተወጢሖም ንብሕታዊ ተአቅሞም ክብሉ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሕሰመ መከራ ዘሳጥሑ ጃንዳ ህግደፍ 2 (ክልተ) ግዜ ትሃሲናን ተጨፍሊቕናን፡ እቲ ቀዳማይ ብ ባዕዳውያን ገዛእቲ እቲ ካልኣይ ግዜ ኻኣ ኢዚ ሕጂ ዘሎ መግዛእቲ ህግደፍ እቲ ቀደምሲ ዝኮነ ምኾነ ናይ ሕጂ ገሪሙኒ ኣነ እቲ ኣምሪርካ ዘሕዝንነካ  ድማ ህዝቢ ኤርትራ ደቅናዮም ኢሉ ኣሚኑ ኣብ ሞንጎኦም ኮይኑ ተቃልሱ ከይ ጠምዩ እና ኣብለዔን እና ኣስተየን ከስንቆም ኮሎ ደቅናን የሕዋትናን ኢሉ እምነት ስለ ዘንበረሎም ጥራሕ እዩ ዎዮ እምነት ድኣ ኣበይ ኣሎ።

RWBኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።