ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ገለ ተሓባበርቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ፡ ብውሑድ ገንዘብ ናብ እስራኤል ከነስግረኩም ኢሎም ብምትላል ካብ ሱዳን ድሕሪ ምብጋስ ኣብ ምድረበዳ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ምስ በጽሑ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ገንዘብ ክኸፍሉ ብማረምትን ማእሰርትን ሓዊ ምንዳድን የገድዱዎም ኣለዉ። እዞም ሞቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ከኣ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ እዮም።

ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።