Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

dim

ቀንዲ ልኡኽ ናይቲ ‘ብሃይማኖታዊ ጉዳያት” ዝፍለጥ መፍላቒ መሓውር ሃይማኖታዊ ናጽነት ህግደፍ ብምዃን፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዘራኸሰ ዝንገረሉ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ከቢድ መጠንቀቕታ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ዝገድፉሉ ንደሓር፡ ብጽኑዕ ሓለዋ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ናይ ሲቭል ክዳን ዝለበሱ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብ26 ታሕሳስ 2008፡ ኣብ ኣስመራ ‘ሆሊዉድ’ ኣብ ዝተባህለት ኢንተርነት ካፈ ተጠቀምቲ ኢንተርነት መሲሎም ብምእታው ናይ ተቓወምቲ መርበብ ሓበሬታ ከፊቶም ንዝረኸቡዎም ሰለስተ መንእሰያት ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትርከቡ ኤርትራዊያን ዜጋታት፡ ህላዌ ህዝብናን ሃገርናን ኤርትራ፡ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ
ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ከምዘሎ ብሩህ ኮይኑ፡  ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ብፍላይ፡ ብቃላት ክትገልጾ ዘይክኣል፡ ኣብ
ታሪኽ መዋእል ኤርትራ ተሰሚዑን ተጌሩን ዘይፈልጥ ወዲቑ ይርከብ ከምዘሎ፡ ንኩሉ ኩነታት  ኤርትራን ህዝባን
ዝከታተል ብሩህ ሓቂ ኢዩ