Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ካብ ኢራን ዝተበገሰ ኣጽዋር ናብ ሓማስ ከሰጋግሩ ኣብ ዶብ ሱዳንን ምስርን ብደብዳብ ኣየር ዝተቐትሉ ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ዝለኣኾም መኮንናት ኤርትራ።  (ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ዝለኣኹዎ)

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሰበስልጣን ‘ታ ሃገር፡ እቲ ብ ’ሪቮሉሺናሪ ጋርድ’ ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ሰራዊት እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ንምምስራት ልኡኹ ናብ ኤርትራ ከምዝሰደደ ብምጥቃስ፡ ኢራን ኣብታ ንነዊሕ እዋን መሓዛ እስራኤል ኮይና ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ህላወ ክትምስርት ጀሚራ ምህላዋ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ብዕለት 12 ጥሪ 2009 01፡36 ወጋሕታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ጸይቀ ዕሉል ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምኽትል ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ዝኾነ ኮሎኔል ኣፎወርቂ ሞሳዝጊ ዝርከቦም 6 ሜጀራትን 2 ካፒተናትን ከም ዝተቐትሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ዘይምቅዳው ይኽሰት። መንግስቲ ኤርትራ ዜናዊ ንብረትን ሰነዳትን ንሳሕል የግዕዝ። ምስ ምትእትታው ኢራን ኣስታት 90 ሰራሕተኛታት ረፋይነሪ ዓሰብ ካብ ስራሕ ይባረሩ። 

iranሰራዊት ኢራን ብ ‘ሳብማሪን’ (ናይ ትሕቲ ባሕሪ መራኽብ) ንወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሰራዊት ብጀካ እቲ ዝዓጠቖ ባለስቲክ ሚሳይል ናይ ሩሑቕ ተንዘግዛጊ ሚሳይል ዓጢቑ ከም ዘሎን ብዝሑ ብርክት ዚበለ ከምዝኾነን ‘ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኢራንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ተሂራን ድሕሪ ምርኻቡ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ከተስፍሖ ከምእትደሊ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና እስላማዊ ሪፓብሊክ ሓቢሩ።

Iranፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኤርትራ ንዝኾነ ዲፕሎማት ተቐቢሉ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ፡ “ ኒኵሌራዊ ዓወት ኢራን ምንጪ ሓበንና እዩ፡ እታ ሃገር ኣብ’ዚ ጉዳይ ‘ዚ ንዘለዋ መርግገጺ ድማ ንድግፎ” ብምባል፡ ኒኵልየራዊ ጸዓት ምውናን ዘይትንከፍ መሰል ኢራን ምዃኑ ኣገንዚቡ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ሓቢሩ።