Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሞት ኩቡር ብጻይናን ሓውናን ኣቦናን ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ኢዮብ ንስድርኡ ጥራሕ ኣይኮነን ሞይቱ፣ ኩልና ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ኣንቃለስ ዜጋታት ኢና ከሲርናዮ።

RWBኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።