Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

stካብ እዋን ሓርነታዊ ቓልስና ኣትሒዙ ጋዜጠኛ ዝነበረ፡ ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ዝሳቐ ዘሎ  ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ “ጋዜጠኛ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ – 2007 ” ተባሂሉ ብሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ተረቝሑ።

ስለ ናጽነት ፕረስን ምግላጽ ሓሳብን ዝጣበቕ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ብሞት ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ ዝተሰመዖ ዓሚቝ ሓዘን ብምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ንዘውርዶ ዘሎ ሕሱም ግፍዕታት ኮኒኑ።

PKስለ ናጽነት ፕረስን ምግላጽ ሓሳብን ዝጣበቕ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ብሞት ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ ዝተሰመዖ ዓሚቝ ሓዘን ብምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ንዘውርዶ ዘሎ ሕሱም ግፍዕታት ኮኒኑ።

RWBኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።