Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Cab  Cab 2

ብሃንደበታዊ ጻውዒት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብህጹጽ ዝተጋበአ፡ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ዝተሳተፉዎ፡ ‘ስሉሳዊ ኣኼባ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኼባ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ፡ ንኻልኣይ መዓልቲ ‘ኳ ከይቀጸለ፡ ስምምዕ ተሳኢኑዎ ፍረ-ኣልቦ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።

ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓዲሙ፡ ካብ 6 ክሳብ 7 መስከረም ኣብ መንጎ ወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።