ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርብዒ መዋእል ናይ ሓደ ጸጋ ዕድመ ዝተዓደለ ሰብ እዩ። ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራ ዝተወልደ ህጻን፡ ከምዚ ናይ ሃገርና ስግንጢር ኣብ ዘይሓሰዳ ንብርቲ ሃገር ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ፈጺሙ ዩኒቨርሲቲ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ኸኣ ግዳይ ሳዋ ኮይኑ ጊላነት ዲክታተርነት ፈሊሙ ኣሎ ማለት ‘ዩ። 18 ዓመት ኣብ ሃገርነት ነዊሕ ዕድመ ዘይክኸውን ይኽእል። ብዕድመ ስልጣን ሓደ መራሒ ክዕቀን ከሎ ግን መዋእል እዩ።



እቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።










ፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡
ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝተላእከ ስቱር ደብዳቤ ብዘቕረቦ ናይ “ወርሒ ጥቅምቲ-ሕዳር-ታሕሳስ 2008፡ ርብዒ-ዓመታዊ ጸብጻብ“ መሰረት፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ብጥሜትን ፈውሲ ነቐዝ ተነስኒስዎ ዝተበላሸወ እኽሊ ብምብላዕን፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ 2173 ሰባት ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።
ዓለማዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ኪቐርብ ዝወሰነሉ መራሒ ሱዳን ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት ናብ ኤርትራ በጺሑ።
ስርዓት ህግደፍ ቆጸራ ህዝቢ ብዝብል ምስምስ ኣብ ኣስመራ ገዛ ገዛ እናኣተወ ወግዓዊ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።