Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Ypfdjኣብ ሃገረ ኖርወይ ኣብ ቀረባ ማዓልታት ዓመታዊ ጉባኤ ብምግባር መሳርሒ ዉልቀመላኺ ኢሰይያስ ዝኾነ ኣኼባ   መንእሰያት ህግደፍ ዝተወደበ ንመንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያንን ትካላት ነርወይ ብምድንጋርን ምትላልን ዝተረኽበ ገንዘብ ምዃኑ ኣገልግሎት ቴሊቪዥን ነርወይ ሎሚ ኣማስይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣቃሊዑ ኣሎ፡፡


ኣብ ኣስመራ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ድኻምን ዘይሜላዊ ኣተሓሕዛን ኣሰራርሓ ተቓወምትን መሰረታትን ገምጊሙን ተታባቢዑን እንሆ ሸርሓዊ መስምር፡ ዕንወትን ንምስፋሕፋሕ ኣጽፋሩ ስሒሉ በቲ ቀንዲ ናይ ስለላ መርበቡ ክቕጽሎ  ይህንደድ ኣሎ። ኣብ ከርሲ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣብ መንጎ ሕማምን ዓጸቦን ብዓቢኡ ድማ ፍትሐ-ኣልቦ ዝዓብለሎ ዕለታዊ መነባብሮ ኮነ ክጻወሮ ዘይክእል፣ ወስ ዘየብል ሓለዋን ዘይንቡር ምቁጽጻርን ከይኣኽሎ፤ ምስቶም ኣብ ግዳም ተሰዲዶም ዝርከቡ ደቁ፣ ብሰላም ከይነብር በቶም  ንኤርትራዊ ዝተሰደለን ሃገራት ክስልዩ ዘዋፈሮም ናይ መርበቡ ኣቢሉ ናይ ዓመጽ ዓንኬላት ይዝርግሕ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።