Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዸጀንሓደ ካብቶም ድመቕ መጻኢ ብርሃን ሃገር ክኾኑ ዝተሓረዩ ፍሉይ ባህርያዊ ትዕድልቲ ዝነበሮም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ መንእሰያት ኢዩ። ተዋዛያይ ተጻዋታይ ዓውዓው በሃሊ ቂምታ ዘይሕዝ ነጻ ሰብ ኢዩ። ዝመስሎ ቅኑዕ ዝበሎ ካብ ምዝራብን ዝተራአዩ ይኸውንዩ ካብ ዝበሎ ምግባርን’ውን ድሕር ዝብል ሰብ ኣይነበረን።

ኤርትራ ብሰንኪቲ ገና ዘይተዳህሰሰት ሃገር ምዃና ሕብእቲ ግምጃ ተባሂላ ዝንገረላ ሃገር ኢያ።ርእሺ ኩሉ ከኣ ኣብ ኣገዳሲ ቦታ ብምህላዋ ነዚ ዕድላትዚ ክጥቀሙ ዝተፈላለዩ ኣዋፈ ርቲ ርእሰማል ስሒባ።እዚ ዕድልዚ ግን ረብሓቲ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ዝወደቐን ዝሰንከለን ዘይኮነ ኢሳያስ ምስ ሰባት ክፋለጥ ኣኺኢሉዎ።ብዙሓት ኣዕሩኽ ረኺቡ፡ምብዛሖም ግን ንኤርትራውያን ኣይጠቐመን።ካብዞም ብዙሓት ኩፉእ ግብሪ ዘለዎም፡ብዘይካ ናብ ጁባኦም ዝኣቱ ንኻልእ ዘስዕብሉ ጸገም ዘይፈልጡ ናብዝ ቁስላ ዘየሕወየት ኤርትራ ውጽእ ኣትው ክብሉ ጀሚሮም።

mendefera

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።