Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Somalilandኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ ጀነራል ኤልሚ ሮቢለህ ፉሩር፡ ንጋዜጠኛትት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ብምዕራፍ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኣስታት 300 ኣባላት ተቓወሚ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ከበባ ብምእታው ከምዝሃደኑዎም ገሊጹ፡

ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ስቶክሆልም፡  ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን መቕደስ እናተኸታተሉ ኸለዉ፡  ናብቲ ቤተ-መቕደስ ብምእታው ንህዝቢ ፖለቲካዊ ስብከት ህግደፍ ከመሓላልፉ ዝፈተኑ ልኡኻት ህግደፍ፡ እቶም ቀሺ “ኣይትሃውኹና ግደፉና በጃኹም፡ እዚ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ጸሎት እዩ” ኢሎም ብምቅዋም ደው ከምዘበሉዎም ምንጭታት ካብ ስቶክሆልም ሓቢሮም።

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ።

refugees

ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢውሮጳ ክሳገሩ ዝፈተኑ፡ ዓረባውን ኣፍሪቃውን መበቆል ዘለዎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ጃላቡኦም ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣብ ኣጣራጣሪ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።