Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isuኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።

መቸም ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዘይተሰመዔ እምበር ዘይተገብረ ጉድ የለን ማለት ገግለ ገሊኡስ ወረ ዘሕፍር ስለዝኾነ አዩ ዘይንገር እምበር ገበርቱስ ኣይሓፍርሉን እዮም::

asmeraዋና ፋብሪካ ሳምናን ኦሞን መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ “ብድንገት” ከምዝዓረፈ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ የፍልጥ።

ዋና ፋብሪካ ሳምናን ኦሞን መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ “ብድንገት” ከምዝዓረፈ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ የፍልጥ።

ተኣምራትዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal)  ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal )  ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራዊ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።