Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዘኻኸሪ ንበጻሕቲ demo.archive.assenna.com  

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ demo.archive.assenna.com ፡ መርበብ ሓበሬታ demo.archive.assenna.com ብዘይጸገም ግቡእ ኣገልግሎት  ኣብ ምሃብ ትርከብ ኣላ። ብፍላይ እቶም ብመንገዲ ሊንክ ናይ ዓዋተን መስከረምን ን demo.archive.assenna.com ከተንብቡዋ እትፍትኑ በቲ መንገዲ ‘ቲ እንተዘይረኸብኩማ ኣይትሻቐሉ። ጉድለት demo.archive.assenna.com ኣይኮነን፡ ጉድለትኩም ‘ውን ኣይኮነን። ብኡ ኣቢልኩም ክትኣትዉዋ ዘይከኣልኩሙሉ ምኽንያት ክልቲኦም ዌብሳይታት ዓዋተ ኮነ መስከረም URL ኣድራሻ demo.archive.assenna.com ብጌጋ ጽሒፎሞ ስለዘለዉ እዩ።

asenaክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና: ድምጺ ኣሰና ሳላ ‘ቶም ዘይሕለሉ ደገፍታ ብዘይተጕላባነት ዘወፈዩዎ ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ሰለይ እናበለት ን 6 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ፈነወ ራድዮ ናብ ኤርትራ ክትህብ ጸኒሓ ‘ላ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝነብር ተኸታታሊኣ፡ ብኣድማዕነት መደባታ ተመሲጡ ‘ድምጸይ ድምጺ ልበይ፡ ደው ትበለለይ’ ክብላ ጸኒሑ ‘ሎ። ኒሕን ሞራልን ቀጻልነታ ድማ እዚ ተዓቢሱ ዝጸንሐ ቅዱስ ድምጺ ውጹዓት እዩ።

asena

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዋሺንግተንን ከባቢኣን ንድምጺ ኣሰና ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ንምስሳን ካብ ፈለማ ክሳብ ሕጂ ብተወፋይነት ዝነጥፍ ዘሎ ወኪልና ተስፊት ክፍሉ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዋዕላን ሰልፍን ዝተሳተፍኩም ናይ ገንዘባዊ መብጽዓ ካርድ (ፕሌጅ ካርድ) ዝዓደለኩም ግዱሳት፡ መብጽዓኹም ብቑጽሪ ቴለፎን 7036290952 ከተፍልጡዎ ብትሕትና ነዘኻኽረኩም።

musieሙሴ ኤፍሬም ዝባሃል ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ (Vänsterpartiet) ዝኾነ፡ ኣብዚ ጽባሕ (7 ሰነ 2009) ዝውዳእ መዓልቲ ምርጫ፡ ንፓርላማ ኣውሮጳ ይወዳደር ከምዘሎ ክነላልየኩም ንደሊ፡፡ ኩሉኹም ኣብ ሽወደን ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ መሰል ምርጫ ዘለኩም፡ ድምጽኹም ነዚ መንእሰይ ንክትህብዎ ነዘኻኽር። እቶም ከተድምጹ ዘይትኽእሉ ድማ፡ ከድምጹ ንዝኽእሉ፡ የዕሩኽትኹምን ቤተሰብኩምን ድምጾም ንሙሴ ኤፍሬም ክህቡ ከተተባብዑዎም ነዘኻኽረኩም።

 ዘበገስካዮ ዕላማን ትጽቢት ህዝብኻን ይሰማማዕ እዩ። ሕሉፍ ተሞክሮኻን ሕጽረታቱንዉን ኣይትዝንግዖን ኢኻ። ኣብ ቅድሚት ተጸፍዩ ዘሎ መንደላይዉን ካብ ክሻፋኻ ዝስወር ኣይመስለንን። ዝጫጭሖም ኣትማንዉን ኣብትሽትሽካ ከምዘለዉ ኣሚንካ ትድህለል ኣይመስለንን ። ከምዚ ሕጂ ኣልዒልካዮ ዘሎኻ ተባዕ ሕቶ ዘልዓሉ ምእንቲ ህዝቢ ዝተጣበቑ መራሕትኻዮም ንሸዉዓተ (7) ዓመታት ኣብ ትሕቲ  ጉድጓድ ዝሳቐዩ ዘለዉን፤ ብሕማም ማሲኖም  ናይ ሞት ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎን።

ኣብ ጽባሕ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ብ21 ሰነ ንግዱድ ስጓ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንግስቲ ምስሪ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ፊት ኤምባሲ ምስሪ ምዉቕ ዝበለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ ግዜ ሓደ ሕርኽርኽ ዘብል ዘይወሓጥ ትዕዝብቲ ተዓዚበ።