ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።
ኣብቲ ብመሪሕነት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኣብ ነርወይ ዝተኻየደ ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ15 መጋቢት 2011 ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱን ዕማማቱ ጀሚሩን።
ብቀዳም ዕለት 18.12.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብ መደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ዙሪክን ከባቢኣን መግለጺ ተዋሂቡ።
ነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ሃገራዊ ተቓውሞ ብምብራዕ ትእምርቲ ህዝባዊ ተቓውሞን ለውጥን ዝኾነ ቱኒዝያዊ መንእሰይ ሙሓመድ ቦዋዓዚዚ
ናብ ኣቶ ኣምሃ ዶሚኒኮ – ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ
ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሓምለ 2010 ዋዕላ ፣ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ብጉዳይ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ክዝቲ በብዓዱ ኣኼባታት የካይድ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ብዕለት 28 ጥቅምቲ 2010 ኣብ መርበባት ሓበረታን ከምኡ ዉን ብኣካል ዝተዘርገሐ ዕድመ ፣ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራዉያን ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ፣ከፋትን ነጻን ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዶም።
መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣብ ኦስሎ ዝምቕማጦም ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ብ23 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።
ትማሊ ምሸት ቐዳም 23 ጥቅምቲ፡ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ነቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ ነሓሰ 9 ንዝተኻየደ ሰፊሕ ሃገራውን ህዝባውን ዋዕላ ብዝምልከትን፤ነቲ ኣብ መጻኢ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ንኹለን ውድባትን ማሕበራትን ህዝብን ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ተካይድ ዞባዊ ሽማግለ ንምምራጽን ዝዕላሙኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ተጋቢኡ ኣምስዩ።
ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበርታታትን ብስልክን ብኢመይልን ዝትዘርግሔ መጸዋዕታ ሕዝባዊ አኼባ ትማሊ ቀዳም ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ሰባትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻዪዱ።
እቶም ካብ ኖርወይ ተወኪሎም ኣብ`ቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፎም ዝተመልሱ ኣሕዋት፡ ተሞክሮታቶም ንህዝቢ ንኽገልጹን፡ ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡ ምሳኹም ንኽመያየጡን ኣኼባ ተዳልዩ ስለ ዘሎ፡ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብ`ቲ ኣኼባ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም፡፡
ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን በቲ ኣቐዲማ ብኣባላትኮምሽ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብጉዳይ ጠቕላላውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላን፣
ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንኩሉኹም ግዱሳት ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዚኾንኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ናብ ዘዳለናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ንቀዳም 23/10/2010 ትዕደሙ።
እቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ።
በዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።
„መን ይንገር..? ዝዋዓለ። መን የርድእ..? ዝቐበረ።“ ከምዝብልዎ ስድራና፡ እንሆ ን-ሰንበት ዕለት 26. 09. 2010 ዓ.ም.ፈ.፡ እቶም ንኤርትራውያን ተቐማጦ Nordrhein Westfallen ወኪሎም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተሳተፉ
ልኡኽ ቶሮንቶ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ድሕሪ ናብ ቶሮንቶ ምምላስ፡ ኮሚቴ ቶሮንቶ ብዛዕባ ውጽኢታት ሃገራዊ ዋዕላ መብርሂታት ክህብን ዘተታት ከካይድን ስለዝኾነ ከምኡ’ውን ናይ መጻኢ ዕማማት ክቕይስ መደብ ስለዘለዎን ኩሉኹም ኤርትራውያን ናብዚ መኣዲ ዘተ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን – ለበዋታት ሓፈሻዊ ዓውደ መጽናዕቲ ንሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተን ንደሞክራስያዊ ለውጢ – ካብ ዕለት 4—8 ሓምለ 2009 ዝተኻየደ