Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Weldeab”ኣንታ ኣሎ ድዩ? ነዚ ኹሉ ግዜ ጠፊኡ ኔሩ ድኣ ሎሚ እንታይ እዩ ክብል” ትብሉ ትኾኑ፡፡ ሓቅኹም፥ እንተበልኩም`ውን ልክዕ ኣለኹም ኣይተጋጌኹምን፡፡ ምኽንያቱ ሎሚ`ውን በቶም መንድዓት ቃልሲ ኮይኖም ዘለዉ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሃሉ ዘስደምም ጽሑፍ ስለ ዘንበብኩ እምበር፡ ናይ ምጽሓፍ መደብሲ ኣይነበረንን፡፡

ዕስሎእቶም ካብ ኖርወይ ተወኪሎም ኣብ`ቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፎም ዝተመልሱ ኣሕዋት፡ ተሞክሮታቶም ንህዝቢ ንኽገልጹን፡ ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡ ምሳኹም ንኽመያየጡን ኣኼባ ተዳልዩ ስለ ዘሎ፡ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብ`ቲ ኣኼባ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም፡፡

 Osloመቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ትማሊ ብ25 05 2010 እውን ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብዓወት ተኻዪዱ:: እቲ ሰልፊ ንእከይ ግብሪ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘቓልዐ፣ ንኮራኵር ናይቲ ስርዓት ዘሰምበደ፣ ንሞራልን ተስፋን ናይቲ ውጹዕ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘሕነነ፣ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ዕዉት ሰልፊ ነይሩ::

Osloእቲ ንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ክግበር ተመዲቡ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናብ ካልእ ግዜ ከነመሓላልፎ ከም ዝወሰንና ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

osloንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ኖርወይ ጸረ ህግደፋዊ ዕንደራ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብ`ዚ ሰልፊ`ዚ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም ኣሎና፡፡