Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

DC meetingትማሊ ምሸት ቐዳም 23 ጥቅምቲ፡ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ነቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ ነሓሰ 9 ንዝተኻየደ ሰፊሕ ሃገራውን ህዝባውን ዋዕላ ብዝምልከትን፤ነቲ ኣብ መጻኢ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ንኹለን ውድባትን ማሕበራትን ህዝብን ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ተካይድ ዞባዊ ሽማግለ ንምምራጽን ዝዕላሙኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ተጋቢኡ ኣምስዩ።

dcኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ምስሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ 700 ሚእቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘካየዶ ኢሰብኣዊ ግዱድ-ስጓ ብምቅዋም ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ምስሪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።