Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝሓለፈ ሰንበት 26 መስከረም አብ ከተማ ከሎን ዕቱብ ኣኼባ ንተቐማጦ ምምሕዳር ቨስቲፋልያ ተኻይዱ፡፡ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐት ሽማግለ እታ ዝነበረት ናይቲ ቦታ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ነይራ፡፡

EDFብ 4 መጋቢት 2010 ኣብ ከባቢ ሳዋ ኣብ ዝርከብ መዓስከር፡ ኣዘዝቲ በራጊድ ናይቲ ብሓለዋ ፕረዚደንት ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ተሪር ተቛውሞ ንዘቕረቡሎም 11 ኣባላት ብ9 መጋቢት ከምዝኣሰሩዎም ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።