Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Amanuel Sahleሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።

Amanuel ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።

Hanti Alemእንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?

Amanuel ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።

Amanuel Sahleንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡

Hanti alemፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።

Amanuel እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።

Amanuel Sahleሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።

Amanuel Sahleመንእሰይ ከይኮነ ዝዓበየ ሰብ የልቦን። ገለ ግን ኣለዉ ስድራኦም ብንእስነቶም ሓላፍነት የሰክሙዎም እሞ፡ ንእስነት ከይረኣዩ ዚዓብዩ። ኩሉ ጸጽሕፍቶኡ ኣለዎ።

ብዕለት 6 ኅዳር 2010፡ ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ፡ ነባሪ ሰላም ብመትከላት (መገዲ) ሃገራዊ ዋዕላ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ትምህርቲ ንሕዝቢ ኣቕሪቡ ነበረ። ኣቶ ጸጋዘኣብ ዮውሓንስ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ኣኼባ፡ ከምኡ መምህር ማሕሙድ ኣደም ናብ ቛቓንቛ ዓረብ ብምቱርጋም ተሓባበሩ።