ን ቀዳም ዕለት 21 ግንቦት 2011 ኣብ ሎንዶን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ምዃኑ እንዳሓበርና ፣ ኹሉ ኤርትራዊ ፈታው ሰላምን ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ክካፈሎ ጻዊዒት ነቅርብ ።
ን ቀዳም ዕለት 21 ግንቦት 2011 ኣብ ሎንዶን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ምዃኑ እንዳሓበርና ፣ ኹሉ ኤርትራዊ ፈታው ሰላምን ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ክካፈሎ ጻዊዒት ነቅርብ ።
ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።

ሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።
አብ ከተማ ሎራኽ(ጀርመን)ን አብ ከተማ ባዝል(ሰዊዘርላንድ)ን ከባቢታትን ንቕመጥ ኤርትራውያን ብቀዳም 15 ጥሪ ዘዳለናዮ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ-ህዝቢ ብድሙቕ ዓወት ተደምዲሙ፡፡
መስከረም 1961ን
ወርሒ ኵርዓት ሓበን
ክብሪ ወሲድኪ ካብ ኩለን
ነባሪ ሽግኪ ገና ኣይጠፍአን፡
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ተሸሪባ ከምዝተረፈት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ( demo.archive.assenna.com ) ትማሊ 13 ታሕሳስ ዘቃላሓቶ ዜና: ብቢቢሲ ን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ሎሚ 14 ታሕሳስ ተረጋጊጹ።
ንመደምደምታ ስምረት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ንሕብር። ቀንዲ ዕላማ’ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ሰልስቲኡ ውድባት/ሰልፍታት ነንሕድሕዶም ንኽላለዩን፣ ርኢቶን ለበዋን መሰረታት ኣብ’ቲ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዝወርሐ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ቅዋም ሰልፍን ጸሚቝካ ናብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መጸናበሪ ጕባኤ ንምቕራብ እዩ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ካናዳ ን ኩቡር ሸኽ ሙ/ጀውሃር ሓጎስ ክብሪ ንምሃብ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ጊዜ ገለ ክፋል ካብ ታሪኽ ሂወቱ ዝተነበበ ኢዩ።
አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ።
ብፈለማ ደቒ ሃገር ኩሉኩም ከመይ ኣለኩም። መበገሲ ጽሑፈይ ኣብ መስከረም ዶት ነት ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ብ”ኣፍን ግብርን መራሕቲ ኪዳን ክቕላዕ መን እሰይ ኤርትራ ተሰራዕ” ዝብል ኣርእስቲ እዩ። መብዛሕትኡ እኳ ዝሰማምዓሉ ነጥቢ እንተሃለወ ኣብ’ቲ ዘይተሰማማዕኩሉ ነጥቢ ወስ ከብል እሞ ናብ ሓናጺ ዝኮነ ልዝብ ምእንቲ ክንኣቱ።
ምጽብባቕ ገድሊ ዘይኮነ፡ በንጻሩ ኣብ ክንዲ ተወፋይነት በለጽ ምንጋሱ እዩ ቀንዲ ሽግርና።
ናይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኣመሪካን መንግስቲ ሲሪላንካን ከም ‘ግብረሽበራዊ ውድብ’ ዝጥቀስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ቀጥታዊ ወተሃደርዊ ሓገዝ ይገብር ከምዝነበረ ከምዘቃለዐ ኤሽያን ትሪቡን ዝተህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።