Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UNSCባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ ባዕላ ለዊሳቶ ቡሓቐ ቀደም ከይትሕዞ ብጥንቃቐ። ይብሉ ኣቦታት። ጉዳይ እገዳ ኤርትራ፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ምስወሰኑ፣ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጻዕጻዕ ስለዘበሎ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ወርሓት እንታይ ዘይገበረ።

Kinijitኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ዘሎ፡ ሓደገኛ ናይ ፖለቲካ ውዲት ዘይቅዱስ- ቃልኪዳን ብሓደ ወገን፡ ኣንጻር ሳንክሽን ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ 4-5 ነጥብታት ዝሓዘ ኣዋጅ ምውጻኩም ከይኣክል፡ ሕጂ`ውን ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ከተካይዱ ብቓላትኩም ብድምጽኹም ብመርበብኩም ከምዘረጋገጽኩም ዘጠቓለለ ብኻልእ ወገን ገሊጽና ነይርና። ደጊምና ብልቢ ነመስግን ቃል-እምነትኩም ስለዘገድሰና።

Kinijitተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/02/2010 ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ፓል-ታልክ ሩም Ethiopian review.com on line ብኤልያስ ክፍለተመሪሑ፡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ደገፍትን ወከልትን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ፓል-ታልክ ልዕሊ 200 ሰባት ሰሚዕዎ።