Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብፈለማ ደቒ ሃገር ኩሉኩም ከመይ ኣለኩም። መበገሲ ጽሑፈይ ኣብ መስከረም ዶት ነት ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ብ”ኣፍን ግብርን መራሕቲ ኪዳን ክቕላዕ መን እሰይ ኤርትራ ተሰራዕ” ዝብል ኣርእስቲ እዩ።  መብዛሕትኡ እኳ ዝሰማምዓሉ ነጥቢ እንተሃለወ ኣብ’ቲ ዘይተሰማማዕኩሉ ነጥቢ  ወስ ከብል እሞ ናብ ሓናጺ ዝኮነ ልዝብ ምእንቲ ክንኣቱ።

እዚ ንኣትዎ ዘለና ዓመተ 2008 ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ከም ነበልባል እናተወልዓ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ብዝያዳ ዝሕይለሉ ዓመት ንክኽውን ኩላትና ክንሰርሓሉ ዘለና ዓመት እዩ።