ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን ዘሎን 20ዓመታት ናይ ዉርደትን መከራን መዋእል ንምዝካር፡ ከምኡ እዉን ኣቓልቦ ሕዝብን መንግስትን ሽወደንን ብኡ ኣቢልካ እዉን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ ሕዝቢ ኤርትራ ደዉ ብምባል ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከዛይዱ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ብምድላዉ ብድሙቕ ኣገባብ ሎሚ 18 ግንቦት ኣማስይኡ ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ተኻይዱ፡፡
ን ቀዳም ዕለት 21 ግንቦት 2011 ኣብ ሎንዶን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ምዃኑ እንዳሓበርና ፣ ኹሉ ኤርትራዊ ፈታው ሰላምን ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ክካፈሎ ጻዊዒት ነቅርብ ።
Enough!! Enough!!
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ልዕሊ 17000 በቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ልዕሊ 400 ኤርትራዊ ትንፋስ ዘህለቐ ትራጀዲ ዝተሰምዖም
ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ንኹሉኹም ኣብ ስደት እትርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኤርትራ፡
ኩለን ሲቪካውያን ማሕበራት ሓደ ዓቢን ኣድማዕን ሰላማዊ ሰልፊ ንዕለት 18.04.2011 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሄሰን ክግበር መዲበን ኣለዋ።
ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ሀ፡ ካብ መጨረሻ ኣውቶባን “autoban” ኣብ ክንዲ ናብ ኤርፖርት ዘዎጽእ ትወስዱ: ንጀነቭ ላክ “Genève Lac” ዝብል ተከቲልኩም: ኣብ ካልኤይቲ ሴማ-ፎሮ (ናት ትራፊክ መብራህቲ) ን የማን ወጺእኩም ፓርኪን “Parking “ ኣብ ምርካባ ጀምሩ።
መጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ዜጋታት ብዘይ ጾታን ዕድመን ፍልልይ ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንዕለት 18/4/2011 ዝጽዋዕ ዘሎ ነቲ ድምጹ ከይ ስማዕ ተዓቢሱ ዘሎ ጭኩን ህዝብና ድምጹ ከነስምዓሉ
ካብ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ጀሚሩ፣ ቁጽሮም ካብ 250 ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ሕጻናት፣ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፣ ኣብ ጸምጸም ምድረበዳ ሲናይ ብሸፋቱ ዓሌታት በድዊን(ዓሌት ራሻይዳ) ተጨውዮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ዓለም ብቐጻሊ ይዛረባሉ ኣሎዋ።
ትማሊ ቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ድሙቅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ‘ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ካብ ዝተፋላለየ ከም ፍራንክፎርት፣ ስቱትጋርት፣ ካስል፣ ማንሃይም፣ ካርልስሩሀ፣ ከለን፣ ወዘተ…. ዝኣመሰላ ከተማታት ጀርመን ዝመጹ ኤርትራውያን ተኻፊሎም።
ግህሰት መሰል ኤርትራውያን ንኸብቕዕን እቶም ኣብ ቤት ማእሰርትን ዘይተፈልጠ ጐዳጉድን ዝበልዩ ዘለዉ ኤርትራውያን እሱራት ንኽፍትሑን ዘመልከተ ኣብ ቦን ብ17 መስከረም 2010 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡
መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ትማሊ ብ25 05 2010 እውን ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብዓወት ተኻዪዱ:: እቲ ሰልፊ ንእከይ ግብሪ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘቓልዐ፣ ንኮራኵር ናይቲ ስርዓት ዘሰምበደ፣ ንሞራልን ተስፋን ናይቲ ውጹዕ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘሕነነ፣ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ዕዉት ሰልፊ ነይሩ::
ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ
ትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።
ብተበግሶ መንእሰያት ኤርትራ ንለዉጢ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ብ 19/02/2010 ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሮማ ተኻይዱ፡፡ ዕላማ ናቲ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ብዕለት 23/12/2009 ብባይቶ ጸጥታ ዝጸደቐ እገዳ ኣብሊዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ዉጺኢት ናይቲ ዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ምእታዉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ምትሕብባር ምስ ግብረሽበራውዉያን ብኻልእ ሸነኹ ድማ ዘይ ቁዋማዊ ስራዓት ብምኻኑን ዝተወስደ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስጉምቲ ደገፍና ንምሃብን ኮሙኡ ድማ ኣብ ኤርትራ በቲ ስራዓት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ንምቁዋም ዝዓለመ እዩ፡፡
መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ። 