Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዕለት 18 ምያዝያ ኣብ ሳንፍራንሲኮ፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ካሊፎርንያ ዝመጹ ተቓወምቲ ዜጋታት ዝተሓወስዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ተኻይዱ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዝወዓለ ዜጋ ብዕድመ ይኹን ብብሄራዊ መልክዑ ዝተዛነቐ ብምንባሩ፡ ምዉቕ መንፈስ ሃገራውነትን ሓደነትን ዘንጸባርቕ ሃዋሁው ክፈጥር ክኢሉ። ካብ ናይ ቀደም ሰላማዊ ሰልፍታት ዝያዳ ብርክት ዝበላ ደቀ-ኣንስትዮ እውን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣማዕሪገንኦ ውዒለን።     

Sanfranciscoመጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ዜጋታት ብዘይ ጾታን ዕድመን ፍልልይ ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንዕለት 18/4/2011 ዝጽዋዕ ዘሎ ነቲ ድምጹ ከይ ስማዕ ተዓቢሱ ዘሎ ጭኩን ህዝብና ድምጹ ከነስምዓሉ